ደቓይቕ
| ቁጽሪ
0003 |
ዕለት
ቀዳም 07 ነሓሰ 2026 |
ሰዓት
ለንደን 1500 – 1650፡ ኤድመንቶን 0900 – 1050፡ ዲሲ 1000 – 1150፡ ሲያትል 0800 – 0950፡ |
| ቦታ፡ “WhatsApp” |
| ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ |
| ዛዕባታት ኣኼባ፡ |
| 1. መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፡ ምጽዳቕ ደቓይቕ፡ | 05 ደቓይቕ |
| 2. ንሰነድ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ መርሓ ኤርትራ፡ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት መብርሂ (ብኣኣ)፡ | 15 ደቓይቕ |
| 3. ዕማማት ኣለሊና፡ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ምውሳድ፡ ዕማማት ዘሰላስሉን ሽማገለታት ምቛም፡ | 15 ደቓይቕ |
| 4. ኣገዳስነት ሓሳባትናን ጽሑፋትናን ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር፡ | 10 ደቓይቕ |
| 5. ኣታሕዛ ዕላማና ከመይ እዩ፧ ብግዜ ደረጃ ከመይ ይከፋፈል፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ እንታይ ውጽኢታት ንጽበ። | 10 ደቓይቕ |
| 6. ጉዳይ መጸውዒ ስም ውዳበና ዝምልከት፡ | 10 ደቓይቕ |
| 7. ተወሰኽቲ ዋኒናት፡ | 10 ደቓይቕ |
| 8. መዕጸዊ፡ | 05 ደቓይቕ |
| ኣስማት ተሳተፍቲ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተ |
| ዝተረኸቡ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተ፡ |
| ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን |
| ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን |
| ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን |
| ዕዱማት፡ ኣይነበሩን |
| መኽፈቲ
1. መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ናይ ሎሚ ዛዕባታትን፡ – ደቓይቕ ናይ ዕለት 01.08.26 ብሓባራዊ ድምጺ ጸዲቑ፡ ኣኣ፡ – “ናሕሲ ሃገር” ብ”ናሕሲ ሓድነት ሃገር” ዝብል መጸውዒ ክትካእ እማመ ኣቕሪቡ፡ ምኽንያቱ፡ o ሓድነት ኣብ ምምጻእ ንሰርሕ ስለዘለና፡ o ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት የድልየና ስለዘሎ፡ o ፖለቲካዊ ኣምርን ርዝነት ክህልዎ ስለዝሕግዝ፡ o ተመጣጢ ስም ድማ ስለዝገብሮ፡ |
| ልዝባት
2. ንሰነድ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ መርሓ ኤርትራ፡ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት መብርሂ (ብኣኣ)፡ ኣኣ፡ – ለውጢ ክነምጽእ ንዓዪይ እንተሃለና፡ ንስግግር ዝኸውን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከድልየና እዩ፡ – ከም ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኰይኑ ዘገልግለና ሃገራዊ መርሓ – ሓባሪ ሰነድ ኣድልየ ኣለኹ፡ – ሃገራዊ ራኢ ክህልወና ዝሕግዝ፡ – ንስግግር ምድላዋት ክንጅምር ስለዘለና፡ – ድሕሪ ናጽነት፡ ከምዚ ዓይነት ምድላዋት ስለዘይነበረ ኢና ኣብ ከምዚ ወዲቕና፡ – ንቕሓትና ዘዕቢ ናይ ስግግር ሰነድ ክህልወና ስለዘለዎ፡ – መስርሕ ለውጢ እንታይ ክመስል ኣለዎ፧ ንዝብል ሕቶ እዉን ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ – ሰላማዊ ወይ ጐነጻዊ ዝብሉ ኣምራት እቶም ቀንዲ መቆራቍሲ እዮም (ጐነጻዊ ስግግር ኣከራኻርን ዘይቅቡልን እዩ) – ንመሰጋገሪ ዝድርኹ ትካላትን ሜላታትን ክህልውና ይሕግዝ፡ – ነዚ ዝሓቝፈ ስፍሕ ዝበለ ሰንድ ኣዳልየ ሰዲደልኩም ኣለኹ፡ ግደ፡ – ቅዳሕ ኣይመጽኣንን፡ – ጽቡቕ ኣቀራርባ፡ – ሕጂ ብዛዕባ እዚ ክንሓስብ ዝዓብየና ኰይኑ ይስመዓኒ፡ ንኣሽቱ ኢና ኢልና ዓብይ ክንሓስብ የብልናን ማለተይ ግን ኣይኰንኩን፡ ሃሃ፡ – እዚ ኣዝዩ ዝዓብየና ኰይኑ ይስመዓኒ፡ ሎሚ ክንሓስበሉ ንኽእል ኣይመስለንን፡ – ከም ሰነድ ክቕመጥ ጽቡቕ እዩ፡ – ቀዳምነታትና ሰሪዕና ዓቕምና ዝኰኑ ዕማማት ንስራሕ፡ – ዘሰማምዓና ሓደ መትከል ይሃልወና፡ – ብጹሑፋታና ምስ ህዝብና ንራኸብ፡ – ምእንቲ ክንበዝሕ፡ ንብዙሓት ዝኸውን ነምጽእ፡ – ደጋፍን ተቓዋምን ብሓባር ከምዝሰርሑ ንግበር፡ – ህዝቢ ክነዕስል ኢና ንደልይ፡ – ሕጂ ከመይ ገይርና ቁጽርና ነብዝሕ፧ ንሕሰበሉ፡ ተ፡ – እቲ ሓሳብ ጽቡቕ እዩ፡ – እዚ ኣብ ሓደ ውዱእ መድረኽ ኰይንካ ትሓስበሉ ጉዳይ እመስለኒ፡ – ከም ሰነድ ምሓዙ ጽቡቕ እዩ፡ – ሕጂ ብዛዕባ እዚ ክንሓስብ ዓቕምና ኣይኰነን፡ – ዓቕሚ ሰብና ክነዕቢ ኣለና፡ – ሓሳብ ንኣክብ፡ – ከድምዑ ዝኽእሉ ሓሰብቲ ነምጽእ፡ መኣ፡ – ተዳሊኻ ምጽናሕ ዝመስልዎ የለን፡ – ከምዚ ዝዓይነቱ ዘሰማምዓና ሰነድ ክህልወና ተመራጺ እዩ፡ – ለውጡ መዓስ ይመጽእ ክንትንበይ ኣይንኽእልን ኢና፡ – ሰነዳት ምድላው ንንቕሓት ኣገዳስነት ኣለዎ፡ – ኣብ እውናውያን ጉዳያት ጥራይ ምትኳር ዘዋጽእ ኣይኰነን፡ ገኣ፡ – ኣኣ ዘቕረቦ ጽቡቕ እዩ፡ – ጀመርቲ ስለዝዀና ንዕቤትና ኣብ ዝሕግዙና ነተኵር፡ – ውዳበ ጀሚርና ትርግታ ህዝቢ ክንረክብ ኣለና፡ እንተዘይኰነ ከምእቶም ካልኦት ክንቅህም ኢና፡ – ስለምንታይ እዩ ሃገራዊ ስኒት ዘየለ፧ ኢልና ንሕተት፡ ህዝቢ ዘዕግብ መስሊ ንርከበሉ፡ – መረዳድኢ ነጥቢ ይሃልወና፡ – ኣብ ዘተ ዝኣምን ውዳበ ንግበር፡ – እዚ ሰነድ ንመጻኢ ይተዓቀብ፡ ኣኣ፡ – ንርእቶታትኩም አመስግን፡ እንተዀነ ከም ውዳበ ከምዚ ዓይነት ሰንዳት ክህልወና ግድን እዩ፡ – ምንቅስቓስ ጥራይ ኰይና ሓሳብ ክንጸሉ ዝብል ሓሳብ ሂበ ነይረ፡ – ውድብ እንተኰይና ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክህልወና ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡
3. ዕማማት ኣለሊና፡ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ምውሳድ፡ ዕማማት ዘሰላስሉን ሽማገለታት ምቛም፡፡ ግደ፡ – መመይቲ ኣብ መርበብ ዝስቀሉ ጽሑፋት ክህልዉ ኣለዎም፡ – ነፍሲ ወከፍ ሰሙናዊ ወይ ኣብ ክልተ ሰሙን ዝጭበጥ ዕዮከበርክት፡ ኣኣ፡ – ፍሉይነትና ዘንጸባርቕ ጽሑፋት ነበርክት፡ – ኣቀራርባና ክነማዕብሎ ኣለና፡ – ንጽሑፋትና ዝሕግዙ መምዘኒታት ክህልወና ኣለዎ፡ ሃሃ፡ – ገንዘባዊ ዐቕምና ነሐይለሉ ኣገባባት ነናዲ፡ – ውጽኢት ኣባላት ንሰልዕ፡ ተ፡ – ቑጽሪ ኣባላትና ነብዝሕ፡ – ዕላማና ንምውቃዕ ዝሕግዙና መደባት ንስራዕ፡ መኣ፡ – ምስያም ስዒቦም ንዘለዉ ዕዮታት ብሓላፍነት ዘካይዱ ኣባላት ተኻይዱ፡ o ጠርናፉ ናሕሲ ሃገር o መራሒ ኣኼባ (መኣ) o ተሓዚ ደቓይቕ (መኣ) o ኣወሃሃዲ ዛዕባታት መኣ) o ኣመሓዳሪ መርበብ ናሕሲ ሃገር (መኣ) o መማይት ሽማገለ ኣብ መርበብ ዝስቀሉ ጽሑፋት (ግደ፡ ኣኣ፡ ጠ)
4. ኣገዳስነት ሓሳባትናን ጽሑፋትናን ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር፡ ግደ፡ – ኣገዳስነት ንዘቕሎም ጽሑፋት ንህዝቢ እንታይ ክመስሉ ኣለዎም፡ – ጽሑፋትና ብንጥፈት ክንርእዮን ክነሀብትሞን፡ – ጽሑፋት ናብ ኩላትና ክስደዱ፡ – ብመማይት ጽሑፋት ምስሓለፉ ጥራይ ድማ ክስቐሉ፡ – ንዘይተቐበልናዮ ጽሑፍ ክንክልክሎ ዘይኰና፡ ብተጻራሪ ጽሑፍ ክንብድሆ መሰል ኣለና፡ – ቃላትና ምሩጻት ክዀኑ፡ – እቲ ዘይጽሕፍ፡ ንጸሓፍቲ ዝሕግዝ ሓሳብ ከበርክት፡ ኣኣ፡ – ንጽሑፋትና ዝሕግዙ መምዘኒታት ክህልዉና፡ – ነዚ ዝምልከት ሰንድ ኣዳልየ ከካፍለኩም እየ፡ – ጽሑፋትና ከረሙን ብግቡእ ክረትዑን ኣለዎም ተ፡ – ምት እርራም ጽቡቕ እዩ፡ – ኣብ ቃላትን ፊደላትን ክሕጸር ኣለዎ፡ – ደረኽቲ ጽሑፋት ነበርክት፡
5. ኣታሕዛ ዕላማና ከመይ እዩ፧ ብግዜ ደረጃ ከመይ ይከፋፈል፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ እንታይ ውጽኢታት ንጽበ።፡ ግደ፡ – እታ ንብህጋ ኤርትራ ክንላበሳ ኣለና፡ – ቕርጺ ክንሕዝ ንጀምር፡ – ሰሙናዊ ኣበርክቶን ዕዮን ኣባላት ዝፍለጥን ዝዕቀንን ክኸውን፡ – ብግዜ ዝዕቀኑ ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ክህልውና፡ – ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ድምጽን ምስልን ብኸመይን መዓስን ንስገር፡ – ቑጽሪ ኣባላት ምውሳኽ ቀጻሊ ክንሓስበሉ፡ ሃሃ፡ – ምስ ህዝቢ ክንራኸብ እንተደኣ ኰይና ክንጽህፍ ኣለና፡ – ነንሕድሕድና እውን ናብ ጽሑፍ ዝበቅዕ ሓስብ ክንቀያየር ኣለና፡ ኣኣ፡ – ኣበይ ኣለና ብኸመይ በብደረጅኡ ናብ እቲ ንደልዮ ብራኸ ንበጽሕ ክንሓስብ ጽቡቕ እዩ፡ – ሕጂ ኣብ ምንቃሕ ደረጃ ኢና ዘለና፡ – ብድሕሪኡ ናብ ዝርርብ፡ – ቀጺልና ምት እምማን ኣብ ምፍጣር፡ – ስዒቡ ሕውየት ይመጽ፡ – ኣብ መውዳእታ ድማ ስግግር ነካይድ፡ – ነዚ ንምስላጥ መምዘኒታትና ዘማልኡ ኣባላት ክንውስኽ ኣለና፡ ተ፡ – ኣባላት ንወስኽ፡ – ሓሰብቲ፡ ተንተንቲ፡ ጸሓፍቲ ኣብላት ንመልምል፡ – ብድምጺ እውን ንገብረሉ መንገዲ ነናዲ፡ መኣ፡ – ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ኣብ ዝቕጽል ኣኼናን ክንላዘበሎም፡ – ኣባላት ሰሙናዊ ወይ ኣብ ክለተ ሰሙን ዕዮታቶም ኣለልዮም ንኣወሃሃዲ ዛዕባታት ከፍልጡ፡
6. ምቕያር መጸውዒ ስም ውዳበና ዝምልከት፡ መኣ፡ – ንምቕያር ስም ዝምልከት ሓሳብናን ውሳነናን ነፍልጥ፡ – ብወገነይ፡ ከምዘላታ ትቐጽል በሃሊ እየ፡ ግደ፡ – ሓድነት ዝብል ምውሳኽ ዘድሊ ኣይመስለንን፡ – ናይ ስም ለውጢ ኣይቅብሎን እየ፡ ሃሃ፡ – ናሕሲ ማለት መከላኸሊ ካብ – ብልሽውና፡ ዓመጽ፡ ቀንጠብጠብ ወዘተ እዩ፡ – ናሕሲ ሃገር ገላጺትን እኽልትን በሃሊ እየ፡ ተ፡ – ሓድነት ንተተፋነንቲ ኣብ ሓደ ምምጻእ እዩ ዘስምዕ፡ – ናሕሲ ካብ ሕድነት ዝዓቢ ትርጉም ኣለዎ፡ – ከምዘለዎ እንተዀነ ይምረጽ፡ ገኣ፡ – ናሕሲ ሃገር ካብተን ደስ ዝብላኒ ቃላት እያ፡ – ከምዘላታ ትቐጽል፡ ኣኣ፡ – ሓድነት ዝብል ጥብቆ ዘለወን ዕዉታት ሰልፍታት ኣብ ዓለምና ብዙሓት እየን፡ – ምቕያር ይመርጽ፡
7. ተወስኽቲ ዋኒናት፡ ተ፡ – ሰዓታት ኣኼባ ንግሆ ብሙዃኑ ምስ ካልኦት ስሩዓት መደባተይ ተጋጭዩኒ ኣሎ፡ ክንላዘበሉ ይጽውዕ፡ መኣ፡ – ንትካላት ውክልና ዝምልከት ሓስብ ኣለኒ – እዚ ምስ ጉዳይ ከባብያውነትን ማዕረ ቁጽሪ ኣባላት መርሒነት ምህላው ዝተኣሳሰር እዩ፡ – ኣብ ጽሑፍ ኣስፊረ ክቕርቦ ክፍትን እየ፡ ተ፡ – ማዕረ ቁጽሪ ምህላው ዘይኰን፡ ቀንዲ ዘድልየና ዓያዪ ሰብ እዩ፡ – ቑጽርና ነብዝሕ፡ ሃሃ፡ – ሰብ ብክእለቱን ኣበርክቱን ደኣ እንበር፡ ብመማልእቲ ርትዓዊ ውክልና ክጽንበር የብሉን፡ – ዝሰርሑ እዮም ዘድልዩና፡ ግደ፡ – ክንብሎ ንደልይ ክንብሎ ክንክእል ኣለና፡ – ሓሳባት ክግታእ የብሉን፡ – ንሕና ንፈርሖ ነገር የልቦን፡ – ነቲ ጽሑፍ ኣንቢብና ሓሳብና ምሃብ ይሓይሽ፡
8. መዕጸዊ፡ መኣ፡ – ሎሚ ዕዮታት ውድብ ብሓላፍነት ክዓዩ ኣባላት ሰይምና ኣለና፡ – ብግዜ ዝዕቀኑ ንጥፈታት ውድብ ንኽስርዑ እማመ ቀሪቡ ኣሎ፡ – ኣባላት ሰሙናዊ ወይ ኣብ ከክልተ ሰሙን ከበርክትዎ ዝደሉ ዕዮ ንኣወሃሃዲ ዛዕባታት ከቅርቡ ተሰማሚዕና ኣለና። – ኣብ ዝቕጽል ኣኼባና ክቐርቡ እትደልይዎም ዛዕባታት እንተሃልዮም ክሳብ ረቡዕ ናብ መኣ ክለኣኹ፡ – ረቡዕ ዛዕባታት ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ክለኣኹ፡
|
| ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት |
| 1. ውዳበ ናሕሲ ሃገር ኣብ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ይሃልዎ ዶ ኣይሃልዎ፧ |
| 2. ስም ውዳበ ብ “ናሕሲ ሓድነት ሃገር” ይተካእ ዶ ኣይተካእ፧ |
| 1. ውጽኢታት ድምጽታት | |
| 1. ይሃልወና ዘድመጹ – ኣኣ፡ መኣ። | ኣይሃልወና ዘድመጹ – ግደ፡ ሃሃ፡ ተ፡ ገኣ። |
| 2. ይተካእ፡ ዘድመጹ። ኣኣ | ኣይተካእ ዘድመጹ – ግደ፡ ሃሃ፡ ተ፡ ገኣ፡ መኣ። |
| ውሳነታት |
| 1. ብከም ውዳበ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ከይህልወና ብብዝሒ ድምጺ ተወሲኑ። |
| 2. መጸውዒ ስም ውዳበ ከይትካእ፡ ብብዝሒ ድምጺ ተወሲኑ። |
| ዕዮታት |
| 1. ኣባላት ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር ዝሰፍሩ ጽሑፋት ከዳልው። |
| 2. ክጸሓፍ ዝደልይዎ ሓሳብ ከበርክቱ። |
| 3. ተጸንበርቲ ኣባላት ኣብ ምምልማል ክንነጥፉ። |
| መዝነታት |
| 1. ጠርናፉ ናሕሲ ሃገር |
| 2. መራሒ ኣኼባ (መኣ) |
| 3. ተሓዚ ደቓይቕ (መኣ) |
| 4. ኣወሃሃዲ ዛዕባታት (መኣ) |
| 5. ኣመሓዳሪ መርበብ ናሕሲ ሃገር (መኣ) |
| 6. መማይት ሽማገለ ጽሑፋት (ግደ፡ ኣኣ፡ ተ) |
| ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያት |
| 1. ብግዜ ዝዕቀኑ ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ክህልውና፡ |
| 2. ምቕያር ሰዓታት ኣኼባ ዝምልከት፡ |
| 3. ኣኼባና ካብ ብ“WhatsApp” ብ”Google Meet” ክትካእ፡ |
| ምጽዳቕ ደቓይቕ
ትሕዝቶ እዚ ደቓይቕ ኣብ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ክጽድቕ። ክውሰኽ፣ ክመሓየሽ፣ ክጐድል ዝድለይ ትሕዝቶ እንተሃልዪ፡ ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ እዚ ደቓይቕ ዝጸድቕ፡ ብጽሑፍ ኽቐርብ። |


