ደቓይቕ ስሩዕ ኣኼባ ቁ 4

  

ደቓይቕ

ቁጽሪ

0004

ዕለት

ቀዳም 15 ነሓሰ 2026

ሰዓት

ለንደን 1500 – 1650፡ ኤድመንቶን 0900 – 1050፡ ዲሲ 1000 – 1150፡ ሲያትል 0800 – 0950፡

 

ቦታ፡ “WhatsApp”

 

ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ

 

ዛዕባታት ኣኼባ፡

 

1.      መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፡ ምጽዳቕ ደቓይቕ፡ ዝውሰዅ ዛዕባታት 05 ደቓይቕ
2.     ምቕያር ሰዓታት ኣኼባ ዝምልከት፡ 05 ደቓይቕ
3.     ኣኼባና ካብ ብ“WhatsApp” ብ”Google Meet” ክትካእ፡ 05 ደቓይቕ
4.     ምጽዳቕ ደቓይቕ ከም ውሽጣዊ ደንቢ፡ 05 ደቓይቕ
5.     ግምገማ መርበብ ናሕሲ ሃገርን ጽሑፋትናን፡ 05 ደቓይቕ
6.    ብግዜ ዝዕቀኑ ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ክህልውና፡

–    ብቑዓት ከበርክቱ ዝኽእሉ ኣለሊና ኣባላት ክንውስኽ፡

–    ኩሎም ሰነዳት ናሕሲ ሃገር (ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ፡ ቅጥዕታት ተጸንባሪ ኣባል) ውዱእ መልክዕ ሒዞም ብpdf መልክዕ ክዳለዉን፡ ኣብ ተግባር ክውዕሉን፡

–    ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብሓላፍነት ዝዓዮ ናይ ስራሕ ዓውዲ ክህልዎ፡

–    ምኽፋት ገጽ Facebook

–    ምጅማር ፈነወ ኣብ Youtube

05 ደቓይቕ
7.     ኣተኵሮ ጽሑፋትና ምስ ተመክሮታትና ዝሳነዩ ኽዀኑ (ዓውዲታት ትዅረት፦ ሕርሻ፡ ቁጠባ፡ ሰራዊት፡ጋዜጠኛ፡ ፖለቲካ፡ ሃይማኖት፡ ስነጥበብ፡ ቋንቋ ወዘተ)፡ 05 ደቓይቕ
8.     ወለንታዊ ዓሚቝ ሞያዊ ኣስተምህሮ በብሞያናን ዝንባለናን ንምይይጥ ምቕራብ፡ 05 ደቓይቕ
9.    ኣገዳስነት ምስያም ወሃቢ ቃል ናሕሲ ሃገር፡ 05 ደቓይቕ
10.   ግምገማ ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ ናሕሲ ሃገር፡ 05 ደቓይቕ
11.     ግምገማ ክሳብ ሕጂ ተነጺፎም ኣብ ዘለዉ መሰረታት ናሕሲ ሃገር፡

–    ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ (ውዱእ መልክዕ ሒዙ ድዩ፧)

–    ቅጥዒ ተጸንባሪ ኣባል (ውዱእ መልክዕ ሒዙ ድዩ፧)

–    ፈነወ መርበብ ሓበሬታ

–    ምድላው ጽሑፋት

–    ስምየት (መራሒ ኣኼባ፡ ተሓዚ ደቓይቕ (ቃለ ጉባኤ)፡ ኣመሓዳሪ መርበብ)

–    ስምየት መማይት ሽማገለ ጽሑፋት

05 ደቓይቕ
12.   ሰሙናዊ ዕማማት ኣባላት

–    ነፍሲ ወከፍ ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ሓድሽ መልእኽቲ ኢመይል ክለአኽ እንከሎ፡ ዋላ ብሓንቲ ቃል ትኹን፡ ከምዘንበቦ መልሲ ብምልኣኽ ከፍልጥ፡

05 ደቓይቕ
13.   ተወሰኽቲ ዋኒናት፡ 05 ደቓይቕ
14.   መዕጸዊ፡ 05 ደቓይቕ

 

ኣስማት ተሳተፍቲ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተተ
ዝተረኸቡ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተተ፡
ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን
ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን
ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን
ዕዱማት፡ ኣይነበሩን

 

መኽፈቲ

1.      መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ናይ ሎሚ ዛዕባታትን፡

–    ደቓይቕ ናይ ዕለት 07.08.26 ብሓባራዊ ድምጺ ጸዲቑ፡

 

ልዝባት

2.     ምቕያር ሰዓታት ኣኼባ ዝምልከት፡

ኣኣ፡

ግደ፡

ሃሃ፡

ተተ፡

መኣ፡

ገኣ፡

–    ሰዓታት ኣኼባ ብኸምስዚ ዝስዕብ ክመሓየሽ ብሓባራዊ ጽምጺ ተሰሲኑ።

–    ኤድመንቶን ሰዓት – አኣ፡ ተተ፡ ሰዓት 1500

–    ሲያትል ሰዓት – ግደ፡ ሰዓት 1400

–    ቫንኩቨር ሰዓት – ገኣ፡ ሰዓት 1400

–    ዋሽንግቶን ዲሲ ሰዓት – ሃሃ፡ ሰዓት 1700

–    ሎንዶን ሰዓት- መኣ፡ ሰዓት 2200

 

 

3.     ኣኼባና ካብ ብ“WhatsApp” ብ”Google Meet” ክትካእ፡

ኣኣ፡

–    ቅልጡፍን ተዓጻጻፍን ክዀነልና፡

–    እውናዊ መል እኽትታት ብቐሊሉ ክንቀያየር የኽ እለና፡

–    እንዳተረኣኣና ክንዘራረብ የኽእለና፡

–    ኣብ መጻኢ ከከም ኣድላይነቱ ደጊምና ክንዘራረበሉ፡ 

ግደ፡

–    ኣፍልጦ የብለይን፡

–    ኣድላዪ እንተዀይኑ ቀስ ኢልና ክንርእዮ፡

ሃሃ፡

–    ተጠቂመሉ ኣይፈልጥን እየ፡

–    ኣፍልጦ ይብለይን፡

ተ፡

–    ተጠቂመሉ ኣይፈልጥን እየ፡

–    ኣፍልጦ ይብለይን፡ ቀስ ኢልና ክንረዮ፡

መኣ፡

–    ኣቐዲምና ንላለዮ፡

–    ኣብ ቀጻሊ ዝያድ ረብሓታቱ ኣለሊና ክንውስን፡

 

4.     ምጽዳቕ ደቓይቕ ቁ 1፡ ቁ 2፡ ቁ 3 ከም ኣካል ውሽጣዊ ደንቢ፡

ኣኣ፡

ግደ፡

ሃሃ፡ 

ተተ፡

ገኣ፡

መኣ፡

–    ተሰማሚዕና ዘጽደቕናዮ ስለዝዀነ፡ ንውሳነንታት ደቓይቕ ቁ 1፡ ቁ 2፡ ቁ 3 ግዙኣት ንኽንከውን ብሓባራዊ ድምጺ ተሰሲኑ፡

 

5.     ግምገማ መርበብ ናሕሲ ሃገርን ጽሑፋትናን፡

ግደ፡

–    መርበብ ናሕሲ ሃገር ጽቡቕ ኣሎ፡

–    ተጻት ኢንግሊሽ ጥርሑ ስለዘሎ፡ ጽሑፍ ነበርክተሉ፡

–    ምክፋል ንህዝቢ እንተጸንሐ ጽቡቕ እዩ፡

–    ጽባቐና ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣርኣያ ክንገብር ክንሰርሕ፡

–    ዘይበጽሓኒ ጽሑፋት ኣሎ፡

–    እዚ ንዘራረበሉ፡ ብድምጺ ክሳብ ናብ ህዝቢ ምብጻሕ ክንሕልን ኣለና፡

–    መልሲ ምውሃሃብ መብሰሊናን መብልሒናን እዩ፡

ኣኣ፡

–    ትሕዝቶ ኣለዎ፡

–    ነጻነት ጸሓፊ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ፡

–    ምልላይን ምክፋልን ንህዝቢ ይጽናሕ፡

–    ክሳብ ሕጂ ተሰሪሑ ዘሎ ጽቡቕ እዩ፡

–    ምስ መትከልና ዘይጻረር ጽሑፍ ክንድርት የብልናን፡

–    ንሕና ክንመያየጥ ክንክእልን ኣብነት ክንከውንን ኣለና፡

–    ትሕዝቶ መርበብና ክነሀብትሞ ንዕየይ፡

ሃሃ፡

–    ጽሑፍ ምህላው ጽቡቕ እዩ፡

–    ጽቡቕ ጀሚርና ለና እየ ዝብል፡

ተተ፡

–    ብወገነይ ዛጊት ጽቡቕ ኣለና

–    ጽሑፋትና ክንመሃረሉ ኣለና፡

–    መልሲ ምውሃሃብ ጽቡቕ እዩ፡

–    ምጉትና ኣብ ሓረጋትን ቃላትን ከይተሓጸረ፡ ኣብ መንፈሱ እውን ከተኵር ኣለዎ፡

ግደ፡

ኣኣ፡

ተተ፡

–    ጽሑፍ ክልተ ካብ መመይቲ እንተተቀቢሎሞ ጥራይ ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር ይስቀል፡

–    ብመማይ፡ ጽሑፍ እንተተዳልዩ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ክልተ መመይቲ እንተተቐቢልዎ፡ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር ይስቀል፡

 

 

6.    ብግዜ ዝዕቀኑ ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ክህልውና፡

–    ብቑዓት ከበርክቱ ዝኽእሉ ኣለሊና ኣባላት ክንውስኽ፡

–    ኩሎም ሰነዳት ናሕሲ ሃገር (ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ፡ ቅጥዕታት ተጸንባሪ ኣባል) ውዱእ መልክዕ ሒዞም ብpdf መልክዕ ክዳለዉን፡ ኣብ ተግባር ክውዕሉን፡

–    ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብሓላፍነት ዝዓዮ ናይ ስራሕ ዓውዲ ክህልዎ፡

–    ምኽፋት ገጽ Facebook

–    ምጅማር ፈነወ ኣብ Youtube

ሰነዳት ናሕሲ ሃገር – ውሽታዊ ደንቢ፡ መጸንበሪ ቅጥዒ፡

ኣኣ፡

–    ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ስለዝነበርና፡ ከምዘለዎ ይጽደቕ ተግባራዊ ይኹነ።

ግደ፡

–    ከምዘለዎ ጸዲቑ ተግባራዊ ይኩን።

ሃሃ፡

–    ንምምሕያሽ ክፉት ስለዝዀነ፡ ንሕጂ ከምዘለዎ ጸዲቑ ተግባራዊ ይኹን፡

ተተ፡

–    ከምዘለዎ ጸዲቑ ተግባራዊ ይኹን።

መኣ፡

–    ብዝርዝር ርኢና ተላዚብና ክነጽድቖ ኣለና፡

–    ተነቢቡ ዝርርብ ኣይተገበረሉን፡

–    ከምዘለዎ ክጽድቕ ኣይቅበሎን እየ፡

 

ምኽፋት Youtube: facebook:

ኣኣ፡

ግደ፡

ተተ፡

መኣ፡

–    ስራሕና ቅድም ነጻፍፍ፡

–    ጸላዊ ትልሚ (ማራኺ፡ ህዝቢ ዘዕስል ሓሳብን ኣቀራርባን) ቅድም ነቕርብ፡

–    ቅደም ደልዲልና ንርገጽ፡ ኢሎም ሓሳብ ድሕሪ ምሃብ፡

–    ይጽናሕ ብምባል ድምጾም ሂቦም።

–     

ሃሃ፡

–    ንሓሳብናን ኣካይዳናን መፈተኒ ምእንቲ ክኸውን፡

–    ንተጸንበርቲ ኣባላት ድማ መስሓቢ ከኸውን፡ ኢሉ ሓሳቡ ድሕሪ ምሃብ፡

–    ይከፈት ብምባል ድምጹ ሂቡ።

 

ግደ፡ እማመ ተውሰኽቲ ኣባላት፡

1.      ኤደንት ተስፋሚካኤል

–    ኣባል እንዳ ዜና ዝነበረት፡

–    ተመኩሮ ዘለዋ፡

–    ብቕዕቲ፡

–    ውፍይቲ ተቐማጢት ሆላንድ፡

–    ተጸንባሪት ኣባል መሪሕነት ክትከውን ዝቐረብወ ብሓባራዊ ድምጺ ተወሲኑ።

2.     ዓብደል ዐዚዝ መሓመድ

–    እሙን፡

–    መተዓብይተይ፡

–    ቋንቋ ትግርኛን ዓረብን ዝመልኽ፡

–    ብሃገሩ ዝሓምም፡

–    ሓቢሩ ክሰርሕ ዝኽእል፡

–    ተቐማጢ ዓዲ እንግሊዝ፡

–    ተጸንባሪ ኣባል ክኸውን ስቐረበ እማመ ብድምጺ ብልጫ ተወሲኑ። (ግደ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ተተ ብምድጋፍ ድምጾም ሂቦም፡ መኣ፡ ብምቅዋም ድምጹ ሂቡ)

 

 

7.     ኣተኵሮ ጽሑፋትና ምስ ተመክሮታትና ዝሳነዩ ኽዀኑ (ዓውዲታት ትዅረት፦ ሕርሻ፡ ቁጠባ፡ ሰራዊት፡ጋዜጠኛ፡ ፖለቲካ፡ ሃይማኖት፡ ስነጥበብ፡ ቋንቋ ወዘተ)፡

8.     ወለንታዊ ዓሚቝ ሞያዊ ኣስተምህሮ በብሞያናን ዝንባለናን ንምይይጥ ምቕራብ፡

 

ግደ፡

–    ብብሞያናን፡ በቲ ዓሚቝ ፍልጠት ዘለና ዓውድን፡ ንዕቢትና ዝሕግዙ ሓጸርቲ ኣስተምህሮታት ክነቕርብ፡

ኣኣ፡

–    ከምጽቡቕ ሓሳብ ተቐቢልዎ፡

ሃሃ፡

–    እዚ መሰረትና ኣብ ምድልዳል ክህግዘና እዩ፡

–    በዚ ሃናጺ ሓሳብ ከምዘለና ክነመስክር ንኽእል ኢና፡

–    ሃጓፋትና ክመልኡልና ዝኽእሉ ሓሳባትን ዓቕምታትን ክንለሊ ክንክእል ኢና፡

ተተ፡

–    ኣብዚ ተኣፈፍቲ ኣርእስትታት፡ ከም እምነት፡ ዘኣመሰሉ ክህልዉ ስለዝኽእሉ ክንጥንቐቕ ኣለና፡

 

9.    ኣገዳስነት ምስያም ወሃቢ ቃል ናሕሲ ሃገር፡

ኣኣ፡

–    ግዚኡ ኣይመስለንን፡

–    ብትሕዝቶ በቒዕና ምስ ቀወምና እንተኰነ ይሓይሽ፡

–    ቅድም ቕጥዕታት ወጺኦም ኣብ ውሽጣዊ ዓንደ ሕግና ክሰፍሩ ኣለዎም፡

–    መርሓ ጐደና ቅድም ይሃልወና፡

ግደ፡

–    ይጽናሕ፡

–    ቅጥዕታት ቅድም ይዳለዉ፡

–    ህዝባዊ መራኸቢታት ምስ ጀመርና፡ ክንገብሮ፡

ሃሃ፡

–    ይሃልወና፡

–    ዋላ ንግዚኡ መለማመዲ ክኸውን፡ ንሰይም፡

–    ኣድላይ ኣብዝዀነሉ፡ ብቑዕ ኣባል መልሚልና ንቕይሮ፡

–    ተመኩሮ መቕሰሚ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ንውሳነ ኣንደንጉይ፡

ተተ፡

–    ይጽናሕ፡

–    ቅጥዒ ቅድም ይዳልው፡

መኣ፡

–    ይጽናሕ፡

 

10.   ግምገማ ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ ናሕሲ ሃገር፡

 

–    ኣቕዲሙ ስለዝተዘረብሉ፡ ተነጢሩ።

 

 

11.     ግምገማ ክሳብ ሕጂ ተነጺፎም ኣብ ዘለዉ መሰረታት ናሕሲ ሃገር፡

 

–    ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ (ውዱእ መልክዕ ሒዙ ድዩ፧)

–    ቅጥዒ ተጸንባሪ ኣባል (ውዱእ መልክዕ ሒዙ ድዩ፧)

–    ፈነወ መርበብ ሓበሬታ

–    ምድላው ጽሑፋት

–    ስምየት (መራሒ ኣኼባ፡ ተሓዚ ደቓይቕ (ቃለ ጉባኤ)፡ ኣመሓዳሪ መርበብ)

–    ስምየት መማይት ሽማገለ ጽሑፋት

 

ኣኣ፡

–    እወታዊ ገምጋም ከምሰለዎ ገሊጹ፡

ግደ፡

–    ዓላማና ካባና ስለዝዓብይ፡ ኣርሒቕና ክንጥምት ተላብዩ፡

ሃሃ፡

–    ካባና ዝሕሹ ሰባት እተተረኺቦም፡ ቦታና ክንለቀሎም ድልዋት ክንከውን ኣዘኻኺሩ፡

–    ዓማና ኣግዚፍና፡ ነብስና ክነንእስ ተላብዩ፡

ተተ፡

–    ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቡ፡

መኣ፡

–    ኩሎም ሰነዳት pdf መልዕ ኣትሒዘ ክሰደልኩም እየ።

 

12.   ሰሙናዊ ዕማማት ኣባላት፡

–    ነፍሲ ወከፍ ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ሓድሽ መልእኽቲ ኢመይል ክለአኽ እንከሎ፡ እንተወሓደ ዋላ ብሓንቲ ቃል ትኹን፡ ከምዝበጽሖ መልሲ ብምልኣኽ ከፍልጥ፡

ኣኣ፡

–    ትካል ንሃንጽ ስለዘለና፡ ንዓላማና ዝምጥን ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልወና ኣለዎ፡

–    ብትክላውነት ጥራይ ኢና ዓላማና ንሃርም፡

ግደ፡

–    መልሲ ምሃብ ትድንጉዩ ኣባላት፡ መልሲ ቅልጥፍ ኢልኩም ሃቡ፡

–    ውጽኢት ስራሕና ሰሙናዊ ክግምገም ኣለዎ፡

–    ክንጽሕፍ ንኽእል፡ ዕምቆትን ብስለትን ዘለዎ ጽሕፍ ነዳልው፡

ሃሃ፡

–    ብውሕዱ ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ ክንምልስ ኣለና፡

ተተ፡

–    እቲ እንተወሓደ ክንምልስ ኣለና ዝብል ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፡

መኣ፡

–    ሓድሽ ሓሳብ ምንቃል፡ ርክባት ምፍጣርን ምዝርጋሕን ኣካል እቲ ሰሙናዊ ዕማም ስለዝኾነ ኩላትና ነተኵረሉ፡

–    ነንኽእሎ ንግበር፡

–    ኣብዚ ጸቕጢ ክስመዓና የብሉን፡

 

13.   ተወሰኽቲ ዋኒናት፡

 

ግደ፡

–    ዕምቈት ፍልጠትናን ሌላናን ምስ ናሕሲ ሃገር ክንፍትሽ፡ ወሃብ መልሲ ኰይና፡ በብተራ “10 ደቓይቕ ዝወስድ”፡ ናይ ምክልኻል ልምምድ ክንገብር፡

–    እዚ ብሉጻት ሓሳባት ንኽነመንጩ ክሕግዘና እዩ፡

–    ብስለትና እውን ዘዕቢ እዩ፡

ኣኣ፡

–    ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፡

–    ግዜ ከይበልዓልና ክንጥንቐቕ ኣለና፡

–    ወሃብ ቃል ሞያ ስለዝዀነ፡ ደፋእ ኢልና ንርኣዮ፡ ኣቀራርባ፡ ጾታ፡ ቅድመ ምድልዋት ዘድልዮ ስለዝዀነ፡ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ኣለዎ።

ሃሃ፡

–    ካባና ስለዘይሓልፍ፡ ምድላዋት ምግባር ጽቡቕ እዩ፡

–    ኣገልገልቲ ስለዝዀና፡ ነቲ ዝወሃበና ዕማም ክንሰርሓሉ ኣለና፡

–    ኣድላዩ እንተኰይኑ፡ ቦታ ክንገድፍ ድልዋት ንኹን፡

ተተ፡

–    ልምምድ ጽቡቕ እዩ፡

–    ንዕቤት እውን ሓጋዚ እዩ፡

 

14.   መዕጸዊ፡

ዝተወሰኑ ውሳነታትን ዝተጸንበሩ ሓደስቲ ኣባላትን ብምዝኽኻር ኣኼባ ተዓጽዩ።

 

 

ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት
1.      ሰዓታት ኣኺባ ይቀየር ዝቐረበ እማመ፧
2.     ዝጸደቑ ደቓይቓት ከም ኣካል ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ የገልግሉ ዝቐረበ እማመ፧
3.     ሰነዳት ናሕሲ ሃገር ከምዘለውዎ ጸዲቖም ተግባራዊ ክዀኑ ዝቐረበ እማመ፡
4.     ኤደን ተስፋሚካኤል ኣባል መርሒነት ክትከውን ዝቐረበ እማመ፡
5.     ዓብደል ዓዚዝ መሃመድ ኣባል መርሒነት ክኸውን ዝቐረበ እማመ፡
6.     ናሕሲ ሃገር ወኣቢ ቃል ይሃልዎ ዶ ዝብል ዝቐረበ እማመ፡

 

1.      ውጽኢታት ድምጽታት
1.       ሓባራዊ ውሳነ።  
2.     ሓባራዊ ውሳነ።     
3.     ከምዘለዎ ይጽደቕ – ኣኣ፡ ግደ፡ ሃሃ፡ ተተ ከምዘለዎ ኣይጽደቕ – መኣ
4.     ሓባራዊ ውሳነ።  
5.     ደገፍ – ኣኣ፡ ግደ፡ ሃሃ፡ ተተ ተቓውሞ – መኣ
6.     ይሃልዎ – ሃሃ ኣይሃልዎ – ኣኣ፡ ግደ፡ ተተ፡ መኣ

 

 

ውሳነታት
1.      ሰዓታት ኣኼባ ብኸምስዚ ዝስዕብ ክመሓየሽ ብሓባራዊ ጽምጺ ተሰሲኑ።

–    ኤድመንቶን ሰዓት – አኣ፡ ተተ፡ ሰዓት 1500

–    ሲያትል ሰዓት – ግደ፡ ሰዓት 1400

–    ቫንኩቨር ሰዓት – ገኣ፡ ሰዓት 1400

–    ዋሽንግቶን ዲሲ ሰዓት – ሃሃ፡ ሰዓት 1700

–    ሎንዶን ሰዓት- መኣ፡ ሰዓት 2200

2.     ዝጸደቑ ደቓይቓት ከም ኣካል ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ የገልግሉ ብሓባራዊ ጽምጺ ተወሲኑ።
3.     ሰነዳት ናሕሲ ሃገር ከምሰለውዎ ጸዲቖም ተግባራዊ ክዀኑ ብድምጺ ብክጫ ተወሲኑ።
4.     ኤደን ተስፋሚካኤል ኣባል መርሒነት ክትከውን ዝቐረበ እማመ ብሓባራዊ ድምጺ ተወሲኑ።
5.     ዓብደል ዓዚዝ መሃመድ ኣባል መርሒነት ክኸውን ዝቐረበ እማመ ብድምጺ ብልጫ ተወሲኑ።
6.     ናሕሲ ሃገር ወኣቢ ቃል ከይህልዎ ብድምጺ ብልጫ ተወሲኑ።
7.     ኝምስቃል ጽሑፋት ዝምልከት ውሳነታት፡

–    ጽሑፍ ክልተ ካብ መመይቲ እንተተቀቢሎሞ ጥራይ ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር ይስቀል፡

–    ብመማይ፡ ጽሑፍ እንተተዳልዩ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ክልተ መመይቲ እንተተቐቢልዎ፡ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር ይስቀል፡

 

ዕዮታት
1.      ብብሞያናን፡ በቲ ዓሚቝ ፍልጠት ዘለና ዓውድን፡ ንዕቤትና ዝሕግዙ ሓጸርቲ ኣስተምህሮ ክነቕርብ።
2.     ዕምቈት ፍልጥትናን ሌላናን ምስ ናሕሲ ሃገር ክንፍትሽ፡ ወሃብ መልሲ ኰይና፡ በብተራ “10 ደቓይቕ ዝወስድ”፡ ናይ ምክልኻል ልምምድ ክንገብር፡
3.     ነፍሲ ወከፍ ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ሓድሽ መልእኽቲ ኢመይል ክለአኽ እንከሎ፡ እንተወሓደ ዋላ ብሓንቲ ቃል ትኹን፡ ከምዝበጽሖ መልሲ ብምልኣኽ ከፍልጥ፡

 

መዝነታት
1.       
2.      
3.      
4.      
5.      
6.     

 

ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያ     
1.       
2.      
3.      

 

ምጽዳቕ ደቓይቕ

ትሕዝቶ እዚ ደቓይቕ ኣብ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ክጽድቕ። ክውሰኽ፣ ክመሓየሽ፣ ክጐድል ዝድለይ

ትሕዝቶ እንተሃልዪ፡ ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ እዚ ደቓይቕ ዝጸድቕ፡ ብጽሑፍ ኽቐርብ። 

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ