ደንቢ ኣሰናዳኢት ጽሑፋት ናሕሲ ሃገር።
ንኣሰራርሓ “ኣሰናዳእቲ መማይት ጽሑፋት ናሕሲ ሃገር” ( ኣኣ፡ ተጥ፡ ግደ)!
ብመሰረት ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ኣኼባና፡ ኣብ መምዘኒ ምምማይ ጽሑፍ፡ ሓንቲ ነጥቢ ተወሲኻ ነይራ። ስለዚ ተወሲኻ ኣላ።
ደንቢ ኣሰናዳኢት ጽሑፋት ናሕሲ ሃገር።
ቀዳማይ- ናጽነት ጻሓፍቲ። ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ ናቱ ናጻ ርኢቶ፡ ኣተሓሳስባን ናይ ኣጸሓሕፋ ቅዲን ክጥቀም ምሉእ ናጽነት ኣለዎ።
ካልኣይ- ደረት ምእራም። መማይትት ጽሑፋት ፡ እቲ ጽሑፍ፡ ቃላት ወይ ሓሳባት ምስቶም መሰረታውያን ዕላማታት ምንቅስቓስ ብቐጥታ ዝጋጨዉ እንተደኣ ኮይኖም ጥራይ እያ ትእርም። ካብኡ ወጻኢ ጽሑፋት ከም ዘለዎ ኣብ መርበብና ይእነገድ።
ሳልሳይ- ኣሰራርሓና። ኩሉ ናይ ምእራም ውሳነታት ብስምምዕ ናይቶም ሰልስተ ኣባላት ይፍጸም። ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣባላት ኣሰናዳኢት ናይ ባዕሉ ጽሑፍ ኣብ ዝጽሕፈሉ እዋን ድማ፡ እቲ ጽሑፍ ኣብ መርበብና ክዝርጋሕ ዝኽእል ብሓደ ካብቶም ኣባላት ኣሰናዳኢት ምስ ዝጸድቕ እዩ።
