ዛዕባታት ስሩዕ ዐኼባ 290826 ቑ 4

  

26/08/26

ቁጽሪ፡ 0004
ዕለት፡ ቀዳም 29 ነሓሰ 2026
ሰዓት፡ –    ኤድመንቶን ሰዓት – አኣ፡ ተተ፡ ሰዓት 1500 – 1600

–    ሲያትል ሰዓት – ግደ፡ ሰዓት 1400 – 1500

–    ቫንኩቨር ሰዓት – ገኣ፡ ሰዓት 1400 – 1500

–    ዋሽንግቶን ዲሲ ሰዓት – ሃሃ፡ ሰዓት 1700 – 1800

–    ሎንዶን ሰዓት- መኣ፡ ሰዓት 2200 – 2300

 

ቦታ፡ ‘WhatsApp’
መራኸቢ፡ “ደወል”

ዛዕባታት ኣኼባ፡

1. መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፣ ምጽዳቕ ደቓይቕን ዝውሰዅ ዛዕባታትን፡ 05 ደቓይቕ
2. መርገጺ ናሕሲ ሃገር ኣብዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ሕቶ ምምላስ ዝምልከት፡

–    ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ነጥብታት ቃልስና፡ ኣብ ሃገር ዝተሰውኡ ሰማእታት ልኡላውነትን ህዝብን።

–    ፈለማ ሓድነት፤ ካብኡ ዘይፍለ መንእሰይን ኩነታቱን፣ መንእሰይን ኣብኡ ዝጽበየና ስራሕን።

–    ናሕሲ ሃገር፤ ዓቕምና እንታይ እዩ፧ እንታይ ኣለና፡ እንታይ የብልናን፧ እንታይ ኢና፡ እንታይ ኣይኮናን፧

10 ደቓይቕ
3. ኤርትራ፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት፡ውልቃዊ ተመኵርኡ ከካፍለና ብገኣ ዝምራሕ ዘተ፡ 15 ደቓይቕ
4. ንህልው ኩነታት ዕብየት ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ብግደ ዝቐረቡ ነጥብታት ፡

–    ናብ ዓሰርተው ሓደ ንምብጻሕ ብሓባር ንኺድ።

–    መርበብናን ኣብ ሃገር ንሰፍሮ ሓሳባትን።

–    ከነዕሙቕ ድዩ ወይስ ከነስፍሕ ዝግብኣና፧

–    ክሳብ ሕጂ ኣመንቲ እስልምና ወይ ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበሩና ዘይክኣሉ እንታይ እዩ ዝዕንቅፍና ዘሎ፧

–    ንነዋሕትን ኣገደስትን ዕላማታትና ኣብ ግዚኦም ክንርእዮም፣ ከይነጸግና ኸኣ ክንስንዶም።

–    ሕጂ ኣብ ንጹራትን ግብራውያንን ሓሳባትና ክንምያየጥን ክንሰርሕን፤ ካብ ናይ ብሓቂ ሓቅታት ድማ ክንጅምር።

10 ደቓይቕ
5. ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ አኣ ዕድል ክወሃቦ፡ 10 ደቓይቕ
6. ተወሰኽቲ ዋኒናት፡ 05 ደቓይቕ
7. መዕጸዊ፡ 05 ደቓይቕ
guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ