ደቓይቕ ስሩዕ ኣኼባ ቁ 3

  

ደቓይቕ

ቁጽሪ

0003

ዕለት

ቀዳም 07 ነሓሰ 2026

ሰዓት

ለንደን 1500 – 1650፡ ኤድመንቶን 0900 – 1050፡ ዲሲ 1000 – 1150፡ ሲያትል 0800 – 0950፡

 

ቦታ፡ “WhatsApp”

 

ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ

 

ዛዕባታት ኣኼባ፡

 

1.     መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፡ ምጽዳቕ ደቓይቕ፡ 05 ደቓይቕ
2.    ንሰነድ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ መርሓ ኤርትራ፡ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት መብርሂ (ብኣኣ)፡ 15 ደቓይቕ
3.    ዕማማት ኣለሊና፡ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ምውሳድ፡ ዕማማት ዘሰላስሉን ሽማገለታት ምቛም፡ 15 ደቓይቕ
4.    ኣገዳስነት ሓሳባትናን ጽሑፋትናን ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር፡ 10 ደቓይቕ
5.    ኣታሕዛ ዕላማና ከመይ እዩ፧ ብግዜ ደረጃ ከመይ ይከፋፈል፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ እንታይ ውጽኢታት ንጽበ። 10 ደቓይቕ
6.    ጉዳይ መጸውዒ ስም ውዳበና ዝምልከት፡ 10 ደቓይቕ
7.    ተወሰኽቲ ዋኒናት፡ 10 ደቓይቕ
8.    መዕጸዊ፡ 05 ደቓይቕ

 

ኣስማት ተሳተፍቲ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተ
ዝተረኸቡ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተ፡
ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን
ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን
ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን
ዕዱማት፡ ኣይነበሩን

 

መኽፈቲ

1.      መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ናይ ሎሚ ዛዕባታትን፡

–    ደቓይቕ ናይ ዕለት 01.08.26 ብሓባራዊ ድምጺ ጸዲቑ፡

ኣኣ፡

–    “ናሕሲ ሃገር” ብ”ናሕሲ ሓድነት ሃገር” ዝብል መጸውዒ ክትካእ እማመ ኣቕሪቡ፡ ምኽንያቱ፡

o   ሓድነት ኣብ ምምጻእ ንሰርሕ ስለዘለና፡

o   ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት የድልየና ስለዘሎ፡

o   ፖለቲካዊ ኣምርን ርዝነት ክህልዎ ስለዝሕግዝ፡

o   ተመጣጢ ስም ድማ ስለዝገብሮ፡

 

ልዝባት

2.     ንሰነድ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ መርሓ ኤርትራ፡ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት መብርሂ (ብኣኣ)፡

ኣኣ፡

–    ለውጢ ክነምጽእ ንዓዪይ እንተሃለና፡ ንስግግር ዝኸውን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከድልየና እዩ፡

–    ከም ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኰይኑ ዘገልግለና ሃገራዊ መርሓ – ሓባሪ ሰነድ ኣድልየ ኣለኹ፡

–    ሃገራዊ ራኢ ክህልወና ዝሕግዝ፡

–    ንስግግር ምድላዋት ክንጅምር ስለዘለና፡

–    ድሕሪ ናጽነት፡ ከምዚ ዓይነት ምድላዋት ስለዘይነበረ ኢና ኣብ ከምዚ ወዲቕና፡

–    ንቕሓትና ዘዕቢ ናይ ስግግር ሰነድ ክህልወና ስለዘለዎ፡

–    መስርሕ ለውጢ እንታይ ክመስል ኣለዎ፧ ንዝብል ሕቶ እዉን ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ – ሰላማዊ ወይ ጐነጻዊ ዝብሉ ኣምራት እቶም ቀንዲ መቆራቍሲ እዮም (ጐነጻዊ ስግግር ኣከራኻርን ዘይቅቡልን እዩ)

–    ንመሰጋገሪ ዝድርኹ ትካላትን ሜላታትን ክህልውና ይሕግዝ፡

–    ነዚ ዝሓቝፈ ስፍሕ ዝበለ ሰንድ ኣዳልየ ሰዲደልኩም ኣለኹ፡

ግደ፡

–    ቅዳሕ ኣይመጽኣንን፡

–    ጽቡቕ ኣቀራርባ፡

–    ሕጂ ብዛዕባ እዚ ክንሓስብ ዝዓብየና ኰይኑ ይስመዓኒ፡ ንኣሽቱ ኢና ኢልና ዓብይ ክንሓስብ የብልናን ማለተይ ግን ኣይኰንኩን፡

ሃሃ፡

–    እዚ ኣዝዩ ዝዓብየና ኰይኑ ይስመዓኒ፡ ሎሚ ክንሓስበሉ ንኽእል ኣይመስለንን፡

–    ከም ሰነድ ክቕመጥ ጽቡቕ እዩ፡

–    ቀዳምነታትና ሰሪዕና ዓቕምና ዝኰኑ ዕማማት ንስራሕ፡

–    ዘሰማምዓና ሓደ መትከል ይሃልወና፡

–    ብጹሑፋታና ምስ ህዝብና ንራኸብ፡

–    ምእንቲ ክንበዝሕ፡ ንብዙሓት ዝኸውን ነምጽእ፡

–    ደጋፍን ተቓዋምን ብሓባር ከምዝሰርሑ ንግበር፡

–    ህዝቢ ክነዕስል ኢና ንደልይ፡

–    ሕጂ ከመይ ገይርና ቁጽርና ነብዝሕ፧ ንሕሰበሉ፡

ተ፡

–    እቲ ሓሳብ ጽቡቕ እዩ፡

–    እዚ ኣብ ሓደ ውዱእ መድረኽ ኰይንካ ትሓስበሉ ጉዳይ እመስለኒ፡

–    ከም ሰነድ ምሓዙ ጽቡቕ እዩ፡

–    ሕጂ ብዛዕባ እዚ ክንሓስብ ዓቕምና ኣይኰነን፡

–    ዓቕሚ ሰብና ክነዕቢ ኣለና፡

–    ሓሳብ ንኣክብ፡

–    ከድምዑ ዝኽእሉ ሓሰብቲ ነምጽእ፡

መኣ፡

–    ተዳሊኻ ምጽናሕ ዝመስልዎ የለን፡

–    ከምዚ ዝዓይነቱ ዘሰማምዓና ሰነድ ክህልወና ተመራጺ እዩ፡

–    ለውጡ መዓስ ይመጽእ ክንትንበይ ኣይንኽእልን ኢና፡

–    ሰነዳት ምድላው ንንቕሓት ኣገዳስነት ኣለዎ፡

–    ኣብ እውናውያን ጉዳያት ጥራይ ምትኳር ዘዋጽእ ኣይኰነን፡

ገኣ፡

–    ኣኣ ዘቕረቦ ጽቡቕ እዩ፡

–    ጀመርቲ ስለዝዀና ንዕቤትና ኣብ ዝሕግዙና ነተኵር፡

–    ውዳበ ጀሚርና ትርግታ ህዝቢ ክንረክብ ኣለና፡ እንተዘይኰነ ከምእቶም ካልኦት ክንቅህም ኢና፡

–    ስለምንታይ እዩ ሃገራዊ ስኒት ዘየለ፧ ኢልና ንሕተት፡ ህዝቢ ዘዕግብ መስሊ ንርከበሉ፡

–    መረዳድኢ ነጥቢ ይሃልወና፡

–    ኣብ ዘተ ዝኣምን ውዳበ ንግበር፡

–    እዚ ሰነድ ንመጻኢ ይተዓቀብ፡

ኣኣ፡

–    ንርእቶታትኩም አመስግን፡ እንተዀነ ከም ውዳበ ከምዚ ዓይነት ሰንዳት ክህልወና ግድን እዩ፡

–    ምንቅስቓስ ጥራይ ኰይና ሓሳብ ክንጸሉ ዝብል ሓሳብ ሂበ ነይረ፡

–    ውድብ እንተኰይና ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክህልወና ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡

 

 

3.     ዕማማት ኣለሊና፡ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ምውሳድ፡ ዕማማት ዘሰላስሉን ሽማገለታት ምቛም፡፡

ግደ፡

–    መመይቲ ኣብ መርበብ ዝስቀሉ ጽሑፋት ክህልዉ ኣለዎም፡

–    ነፍሲ ወከፍ ሰሙናዊ ወይ ኣብ ክልተ ሰሙን ዝጭበጥ ዕዮከበርክት፡ 

ኣኣ፡

–    ፍሉይነትና ዘንጸባርቕ ጽሑፋት ነበርክት፡

–    ኣቀራርባና ክነማዕብሎ ኣለና፡

–    ንጽሑፋትና ዝሕግዙ መምዘኒታት ክህልወና ኣለዎ፡

ሃሃ፡

–    ገንዘባዊ ዐቕምና ነሐይለሉ ኣገባባት ነናዲ፡

–    ውጽኢት ኣባላት ንሰልዕ፡

ተ፡

–    ቑጽሪ ኣባላትና ነብዝሕ፡

–    ዕላማና ንምውቃዕ ዝሕግዙና መደባት ንስራዕ፡

መኣ፡

–    ምስያም ስዒቦም ንዘለዉ  ዕዮታት ብሓላፍነት ዘካይዱ ኣባላት ተኻይዱ፡

o   ጠርናፉ ናሕሲ ሃገር

o   መራሒ ኣኼባ (መኣ)

o   ተሓዚ ደቓይቕ (መኣ)

o   ኣወሃሃዲ ዛዕባታት መኣ)

o   ኣመሓዳሪ መርበብ ናሕሲ ሃገር (መኣ)

o   መማይት ሽማገለ ኣብ መርበብ ዝስቀሉ ጽሑፋት (ግደ፡ ኣኣ፡ ጠ)

 

4.     ኣገዳስነት ሓሳባትናን ጽሑፋትናን ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር፡

ግደ፡

–    ኣገዳስነት ንዘቕሎም ጽሑፋት ንህዝቢ እንታይ ክመስሉ ኣለዎም፡

–    ጽሑፋትና ብንጥፈት ክንርእዮን ክነሀብትሞን፡

–    ጽሑፋት ናብ ኩላትና ክስደዱ፡

–    ብመማይት ጽሑፋት ምስሓለፉ ጥራይ ድማ ክስቐሉ፡

–    ንዘይተቐበልናዮ ጽሑፍ ክንክልክሎ ዘይኰና፡ ብተጻራሪ ጽሑፍ ክንብድሆ መሰል ኣለና፡

–    ቃላትና ምሩጻት ክዀኑ፡

–    እቲ ዘይጽሕፍ፡ ንጸሓፍቲ ዝሕግዝ ሓሳብ ከበርክት፡

ኣኣ፡

–    ንጽሑፋትና ዝሕግዙ መምዘኒታት ክህልዉና፡

–    ነዚ ዝምልከት ሰንድ ኣዳልየ ከካፍለኩም እየ፡

–    ጽሑፋትና ከረሙን ብግቡእ ክረትዑን ኣለዎም 

ተ፡

–    ምት እርራም ጽቡቕ እዩ፡

–    ኣብ ቃላትን ፊደላትን ክሕጸር ኣለዎ፡

–    ደረኽቲ ጽሑፋት ነበርክት፡

 

5.     ኣታሕዛ ዕላማና ከመይ እዩ፧ ብግዜ ደረጃ ከመይ ይከፋፈል፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ እንታይ ውጽኢታት ንጽበ።፡

ግደ፡

–    እታ ንብህጋ ኤርትራ ክንላበሳ ኣለና፡

–    ቕርጺ ክንሕዝ ንጀምር፡

–    ሰሙናዊ ኣበርክቶን ዕዮን ኣባላት ዝፍለጥን ዝዕቀንን ክኸውን፡

–    ብግዜ ዝዕቀኑ ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ክህልውና፡

–    ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ድምጽን ምስልን ብኸመይን መዓስን ንስገር፡

–    ቑጽሪ ኣባላት ምውሳኽ ቀጻሊ ክንሓስበሉ፡

ሃሃ፡

–    ምስ ህዝቢ ክንራኸብ እንተደኣ ኰይና ክንጽህፍ ኣለና፡

–    ነንሕድሕድና እውን ናብ ጽሑፍ ዝበቅዕ ሓስብ ክንቀያየር ኣለና፡

ኣኣ፡

–    ኣበይ ኣለና ብኸመይ በብደረጅኡ ናብ እቲ ንደልዮ ብራኸ ንበጽሕ ክንሓስብ ጽቡቕ እዩ፡

–    ሕጂ ኣብ ምንቃሕ ደረጃ ኢና ዘለና፡

–    ብድሕሪኡ ናብ ዝርርብ፡

–    ቀጺልና ምት እምማን ኣብ ምፍጣር፡

–    ስዒቡ ሕውየት ይመጽ፡

–    ኣብ መውዳእታ ድማ ስግግር ነካይድ፡

–    ነዚ ንምስላጥ መምዘኒታትና ዘማልኡ ኣባላት ክንውስኽ ኣለና፡

ተ፡

–    ኣባላት ንወስኽ፡

–    ሓሰብቲ፡ ተንተንቲ፡ ጸሓፍቲ ኣብላት ንመልምል፡

–    ብድምጺ እውን ንገብረሉ መንገዲ ነናዲ፡

መኣ፡

–    ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ኣብ ዝቕጽል ኣኼናን ክንላዘበሎም፡

–    ኣባላት ሰሙናዊ ወይ ኣብ ክለተ ሰሙን ዕዮታቶም ኣለልዮም ንኣወሃሃዲ ዛዕባታት ከፍልጡ፡

 

6.    ምቕያር መጸውዒ ስም ውዳበና ዝምልከት፡

መኣ፡

–    ንምቕያር ስም ዝምልከት ሓሳብናን ውሳነናን ነፍልጥ፡

–    ብወገነይ፡ ከምዘላታ ትቐጽል በሃሊ እየ፡

ግደ፡

–    ሓድነት ዝብል ምውሳኽ ዘድሊ ኣይመስለንን፡

–    ናይ ስም ለውጢ ኣይቅብሎን እየ፡

ሃሃ፡

–    ናሕሲ ማለት መከላኸሊ ካብ – ብልሽውና፡ ዓመጽ፡ ቀንጠብጠብ ወዘተ እዩ፡

–    ናሕሲ ሃገር ገላጺትን እኽልትን በሃሊ እየ፡

ተ፡

–    ሓድነት ንተተፋነንቲ ኣብ ሓደ ምምጻእ እዩ ዘስምዕ፡

–    ናሕሲ ካብ ሕድነት ዝዓቢ ትርጉም ኣለዎ፡

–    ከምዘለዎ እንተዀነ ይምረጽ፡

ገኣ፡

–    ናሕሲ ሃገር ካብተን ደስ ዝብላኒ ቃላት እያ፡

–    ከምዘላታ ትቐጽል፡

ኣኣ፡

–    ሓድነት ዝብል ጥብቆ ዘለወን ዕዉታት ሰልፍታት ኣብ ዓለምና ብዙሓት እየን፡

–    ምቕያር ይመርጽ፡

 

7.     ተወስኽቲ ዋኒናት፡

ተ፡

–    ሰዓታት ኣኼባ ንግሆ ብሙዃኑ ምስ ካልኦት ስሩዓት መደባተይ ተጋጭዩኒ ኣሎ፡ ክንላዘበሉ ይጽውዕ፡

መኣ፡

–    ንትካላት ውክልና ዝምልከት ሓስብ ኣለኒ

–    እዚ ምስ ጉዳይ ከባብያውነትን ማዕረ ቁጽሪ ኣባላት መርሒነት ምህላው ዝተኣሳሰር እዩ፡

–    ኣብ ጽሑፍ ኣስፊረ ክቕርቦ ክፍትን እየ፡

ተ፡

–    ማዕረ ቁጽሪ ምህላው ዘይኰን፡ ቀንዲ ዘድልየና ዓያዪ ሰብ እዩ፡

–    ቑጽርና ነብዝሕ፡

ሃሃ፡

–    ሰብ ብክእለቱን ኣበርክቱን ደኣ እንበር፡ ብመማልእቲ ርትዓዊ ውክልና ክጽንበር የብሉን፡

–    ዝሰርሑ እዮም ዘድልዩና፡

ግደ፡

–    ክንብሎ ንደልይ ክንብሎ ክንክእል ኣለና፡

–    ሓሳባት ክግታእ የብሉን፡

–    ንሕና ንፈርሖ ነገር የልቦን፡

–    ነቲ ጽሑፍ ኣንቢብና ሓሳብና ምሃብ ይሓይሽ፡

 

8.     መዕጸዊ፡

መኣ፡

–    ሎሚ ዕዮታት ውድብ ብሓላፍነት ክዓዩ ኣባላት ሰይምና ኣለና፡

–    ብግዜ ዝዕቀኑ ንጥፈታት ውድብ ንኽስርዑ እማመ ቀሪቡ ኣሎ፡

–    ኣባላት ሰሙናዊ ወይ ኣብ ከክልተ ሰሙን ከበርክትዎ ዝደሉ ዕዮ ንኣወሃሃዲ ዛዕባታት ከቅርቡ ተሰማሚዕና ኣለና።

–    ኣብ ዝቕጽል ኣኼባና ክቐርቡ እትደልይዎም ዛዕባታት እንተሃልዮም ክሳብ ረቡዕ ናብ መኣ ክለኣኹ፡

–    ረቡዕ ዛዕባታት ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ክለኣኹ፡

   

 

ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት
1.      ውዳበ ናሕሲ ሃገር ኣብ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ይሃልዎ ዶ ኣይሃልዎ፧
2.     ስም ውዳበ ብ “ናሕሲ ሓድነት ሃገር” ይተካእ ዶ ኣይተካእ፧

 

1.      ውጽኢታት ድምጽታት
1.      ይሃልወና ዘድመጹ – ኣኣ፡ መኣ።     ኣይሃልወና ዘድመጹ – ግደ፡ ሃሃ፡ ተ፡ ገኣ።
2.     ይተካእ፡ ዘድመጹ። ኣኣ ኣይተካእ  ዘድመጹ – ግደ፡ ሃሃ፡ ተ፡ ገኣ፡ መኣ።        

 

 

ውሳነታት
1.      ብከም ውዳበ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ከይህልወና ብብዝሒ ድምጺ ተወሲኑ።
2.     መጸውዒ ስም ውዳበ ከይትካእ፡ ብብዝሒ ድምጺ ተወሲኑ።

 

ዕዮታት
1.      ኣባላት ኣብ መርበብ ናሕሲ ሃገር ዝሰፍሩ ጽሑፋት ከዳልው።
2.     ክጸሓፍ ዝደልይዎ ሓሳብ ከበርክቱ።
3.     ተጸንበርቲ ኣባላት ኣብ ምምልማል ክንነጥፉ።

 

መዝነታት
1.      ጠርናፉ ናሕሲ ሃገር
2.     መራሒ ኣኼባ (መኣ)
3.     ተሓዚ ደቓይቕ (መኣ)
4.     ኣወሃሃዲ ዛዕባታት (መኣ)
5.     ኣመሓዳሪ መርበብ ናሕሲ ሃገር (መኣ)
6.    መማይት ሽማገለ ጽሑፋት (ግደ፡ ኣኣ፡ ተ)

 

ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያ     
1.      ብግዜ ዝዕቀኑ ብውዳበ ደረጃ ዝዕየዩ ዕማማት ክህልውና፡
2.     ምቕያር ሰዓታት ኣኼባ ዝምልከት፡
3.     ኣኼባና ካብ ብ“WhatsApp” ብ”Google Meet” ክትካእ፡

 

ምጽዳቕ ደቓይቕ

ትሕዝቶ እዚ ደቓይቕ ኣብ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ክጽድቕ። ክውሰኽ፣ ክመሓየሽ፣ ክጐድል ዝድለይ

ትሕዝቶ እንተሃልዪ፡ ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ እዚ ደቓይቕ ዝጸድቕ፡ ብጽሑፍ ኽቐርብ። 

 

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ