26/08/26
| ቁጽሪ፡ | 0004 |
| ዕለት፡ | ቀዳም 29 ነሓሰ 2026 |
| ሰዓት፡ | – ኤድመንቶን ሰዓት – አኣ፡ ተተ፡ ሰዓት 1500 – 1600
– ሲያትል ሰዓት – ግደ፡ ሰዓት 1400 – 1500 – ቫንኩቨር ሰዓት – ገኣ፡ ሰዓት 1400 – 1500 – ዋሽንግቶን ዲሲ ሰዓት – ሃሃ፡ ሰዓት 1700 – 1800 – ሎንዶን ሰዓት- መኣ፡ ሰዓት 2200 – 2300
|
| ቦታ፡ | ‘WhatsApp’ |
| መራኸቢ፡ | “ደወል” |
ዛዕባታት ኣኼባ፡
| 1. መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፣ ምጽዳቕ ደቓይቕን ዝውሰዅ ዛዕባታትን፡ | 05 ደቓይቕ |
| 2. መርገጺ ናሕሲ ሃገር ኣብዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ሕቶ ምምላስ ዝምልከት፡
– ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ነጥብታት ቃልስና፡ ኣብ ሃገር ዝተሰውኡ ሰማእታት ልኡላውነትን ህዝብን። – ፈለማ ሓድነት፤ ካብኡ ዘይፍለ መንእሰይን ኩነታቱን፣ መንእሰይን ኣብኡ ዝጽበየና ስራሕን። – ናሕሲ ሃገር፤ ዓቕምና እንታይ እዩ፧ እንታይ ኣለና፡ እንታይ የብልናን፧ እንታይ ኢና፡ እንታይ ኣይኮናን፧ |
10 ደቓይቕ |
| 3. ኤርትራ፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት፡ውልቃዊ ተመኵርኡ ከካፍለና ብገኣ ዝምራሕ ዘተ፡ | 15 ደቓይቕ |
| 4. ንህልው ኩነታት ዕብየት ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ብግደ ዝቐረቡ ነጥብታት ፡
– ናብ ዓሰርተው ሓደ ንምብጻሕ ብሓባር ንኺድ። – መርበብናን ኣብ ሃገር ንሰፍሮ ሓሳባትን። – ከነዕሙቕ ድዩ ወይስ ከነስፍሕ ዝግብኣና፧ – ክሳብ ሕጂ ኣመንቲ እስልምና ወይ ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበሩና ዘይክኣሉ እንታይ እዩ ዝዕንቅፍና ዘሎ፧ – ንነዋሕትን ኣገደስትን ዕላማታትና ኣብ ግዚኦም ክንርእዮም፣ ከይነጸግና ኸኣ ክንስንዶም። – ሕጂ ኣብ ንጹራትን ግብራውያንን ሓሳባትና ክንምያየጥን ክንሰርሕን፤ ካብ ናይ ብሓቂ ሓቅታት ድማ ክንጅምር። |
10 ደቓይቕ |
| 5. ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ አኣ ዕድል ክወሃቦ፡ | 10 ደቓይቕ |
| 6. ተወሰኽቲ ዋኒናት፡ | 05 ደቓይቕ |
| 7. መዕጸዊ፡ | 05 ደቓይቕ |
