ደቓይቕ ስሩዕ ኣኼባ ቁ 2

  

ደቓይቕ

ቁጽሪ

0002

ዕለት

ቀዳም 01 ነሓሰ 2026

ሰዓት

ለንደን 1500 – 1650፡ ኤድመንቶን 0900 – 1050፡ ዲሲ 1000 – 1150፡ ሲያትል 0800 – 0950፡

 

ቦታ፡ “WhatsApp”

 

ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ

 

ዛዕባታት ኣኼባ

 

 

1.  መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፡ ምጽዳቕ ደቓይቕ፡                               

2.  ንሰነድ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ መርሓ ኤርትራ፡ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት መብርሂ (ብኣጕ)፡

3.  ምጅማር ምስፋር ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናሕሲ ሃገር፡

4.  ልዝብ ንትሕዝቶ ጽሑፋት እግሪ መርበብ ሓበሬታ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት፡

5.  ንባብ ትሕዝቶ ጽሕፍ “ስለምንታይ ኢና ስቕ መሪጽና” (ብግደ)

6.  ተወሰኽቲ ዋኒናት፡          

7.  መዕጸዊ፡                                   

 

 

 

 

(05 ደቓይቕ)

 

(0 ደቓይቕ)

(30 ደቓይቕ)

(60 ደቓይቕ)

(20 ደቓይቕ)

(15 ደቓይቕ)

(05 ደቓይቕ)

 

ኣስማት ተሳተፍቲ፡ ግድ፡ ኣጕ፡ ገ፡ ተ፡ መኣ፡ ሃሃ፡

ዝተረኸቡ፡ ግድ፡ ኣጕ፡ ገ፡ ተ፡ መኣ፡ ሃሃ፡

ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን

ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን

 

 

ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን

 

ዕዱማት፡ ኣይነበሩን

 

 

 

መኽፈቲ

1.  መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ዛዕባታትን፡

–    ዝቐረቡ ደቓይቕ ኣይነበሩን፡

–    ዝጸድቁ ደቓይቕ ኣይነበሩን፡

–    መልእኽቲ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም ንግ ተን፡

ግደ፡

–    ንተ ገን እቋዕ ደሓን መጻኹም ብምባል ሓጐሱ ገሊጹ፡

–    ኣብ ምጅማር ከምዘለናን ዝሓለፎም ከምዘየለን ሓቢርዎም፡

–    ዕልማና ሓሳብና ብሓባር ኣማዕቢልና ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ምልዋጥ ምዃኑ ገሊጹ፡

–    መርበብ ሓበሬታ ከምዘለና ነጊሩ፡

–    ውሽጣዊ ሕገ ደንቢ ኣርቒቕና ምህላውና እውን ሓቢሩ፡

 

ልዝባት

2.  ንሰነድ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ መርሓ ኤርትራ፡ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት መብርሂ (ብኣጕ)፡

 

–    ኣይቀረበን፡

 

3.  ምጅማር፡ ምስፋር ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናሕሲ ሃገር፡

ግደ፡

–    ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናሕሲ ሃገር ክነስፍር ክንጅምር ኣለና፡

–    ብወገነይ ተከታታሊ ጽሑፍ ኣብ ትሕቲ ዓምዲ ዓሚቝ ዝቐርብ ጽሑፍ ጀሚረ ኣለኹ፡

–    ካልኦት እውን ንኽጅምሩ ኣተባቢዑ፡

–    ብወገነይ “ስለምንታይ ኢና ስቕ መሪጽና” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ተኸታትሊ ጽሑፍ ጀሚረ ኣለኹ፡

–    ነፍሲ ወከፍና ብዝተኸኣለ መጥን ኣርእስቲ መሪጽና ምጽሓፍ ንጀምር፡

ኣጉ፡

–    ኣበይ ኣለና ኣበይ ክንበጽሕ ንደሊ ከምዘለና ዝእምት ፖለቲካዊ መርሓ ኣዳልዩ ምህላዉ ነጊሩ፡

–    ምሉእ እኳ እንተዘይኰነ፡ ንመዛተይን ንኽትዕን ዝበቕዕ ሓሳብ ምዃኑ ኣተንቢሁ፡

–    ብኸመይ ዝብል ቁሩብ ምህብታም ዘድልዮ ምዃኑ ኣብሪሁ፡

–    ሓሳብና ብጽሑፍ ክነካፍል ኣለና፡ ክእረሙ ዝግብኦም ንምእራሞም ግደና ንግበር፡

–    መንእሰያትን ትምህርትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ፡ ብኽነታት ንምጕዳል ብዙሕ ስራሕ የድልየና ስለዘሎ፡ ነዚ ዘንጸባርቑ ጽሑፋት ከቕርብ ከምዝኽእል ሓቢሩ፡

ግደ፡

–    ዓቅምና ኣለሊና፡ በብዓቕምና ጽሑፍ ክነበርክት ጸዊዑ፡

–    ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታና ክነስፍር ከምዘለና ጸቒጡ ኣተሓሳሲቡ፡

መኣ፡

–    ብወገኑ ነቲ ናይ ግደ መተሓሳሰቢ ከምዝተቐበሎን ከምዝሓስበሉን ኣፍሊጡ፡

–    ሓሲበ ኣብ ቀጻሊ ኣበየናይ ዓውዲ ከምዝጽሕፍ ከፍልጥ፡

ተ፡

–    ሓሳብ ብምንቃል፡ ሃገር ክነቕንዕ ኢና ተበጊስና ዘለና ኢሉ፡

–    ኣገደስቲ ኣርእስትታት ብምድላው፡ ካብ ናይ ካልኦት ቶመኵሮ ክንመሃር ኣለና ኢሉ፡

–    ዝጽሕፈሉ ዓውዲ ሓሲበ ከፍልጥ፡

ገ፡

–    ብዛዕባ’ቲ ዘተ ዝያዳ ርድኢት ምእንቲ ክህልዎ መብርሂ ሓቲቱ፡

–    ምዝታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ኣብ መጻኢ እንታይ ከምንገብር ንዘትየሉ፡ ኣብ ጽሑፍ ነስፍሮ፡

ሃሃ፡

–    ህዝብና ዝንበብ ይደልይ ኣሎ፡

–    ንሕና መን ምዃና ዘፍልጥ ጽሑፋት ክነስፍር ክንጅምር ኣለና፡

–    ብወገነይ ሓንቲ ጽሕፍቲ ጀሚረ ኣለኹ፡

 

4.  ንትሕዝቶ ጽሑፋት እግሪ መርበብ ሓበሬታ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት ዛዕባ፡

ግደ፡

–    ዝበዝሕ ኣብ ትሕቲ “ብዛዕባና” ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ጽቡቕ እኳ እንተዀን፡ ኣብ “ውፍያት ኢና” ዝብል ሓረግ ስክፍታ ኣለኒ፡ ዝገዘፈ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡

–    “ውፍያት” ብ “ውዳበ” እንተትትካእ መሓሸ፡

–    “ለውጢ” ብ “ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ” ክትካእ እድግፍ፡

–    ኣብ ትሕቲ “ተጸንበሩና” ዘሎ ትሕዝቶ ተመሓይሹ፡ ሕጽር ዝበለ ይኹን፡

ተ፡

–    “ተወፊና” ኣለና፡ ዝብል ከቢድ ቃል ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡ ትውፊት ኣዝዩ ሰፊሕ ዝለዝዀነ፡

–    “ውፍያት ኢና” ክሳብ እቲ ዝበረኸ ስለትገልጽ፡ እንተተከአት ይምረጽ፡ 

ሃሃ፡

–    ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ከምስበሃል፡ ዕብይ ዝበለ ስም ምሃብ ንኽትላበሶ ይድርኽ እዩ፡

–    ነቲ ስም ክንበቕዕ ንዕየይ፡ ክንዓቢ ንሃቅን፡

–    “ለውጢ” ብ “ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ” ክትካእ ጽቡቕ እመስለኒ፡

–    “ተጸንበሩና” ብ “ሕበሩና” እንተዝትካእ መሓሸ፡ ምኽንያቱ፡ ተጸንበሩና፡ ሓደ ምዃን ክገልጽ ከሎ፡ ሕበሩና፡ ግን ብሓባር ንስራሕ እዩ ዝገልጽ፡

ገ፡

–    እዚ ንገብሮ ዘለና እውን እኮ ምውፋይ እዩ፡ “ውፍያት ኢና” ምባል ዘሰክፍ ኣይመስለንን፡

–    ኣብ መጻኢ ንኣብ መርበብ ዝሰፍሩ ጽሑፋት ትመምይ ሽማግለ ንኽትህሉ ኣተሓሳሲቡ፡

–    ለውጢ ዝብል፡ ገዛእ ርእስኻ ለዊጥካ፡ ክልኦት ምልዋጥ ስለዝዀነ፡ ብ”ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ” ትተካእ፡

ኣጉ፡

–    ስምና ዘንጸባርቕ ክኸውን ነቲ ጽሑፍ ንኸልሶ፡

–    ቀንዲ ዕዮና ሓሳባት ንምልዋጥ ዝለዝዀነ፡ ንሕና ክንብል ዘለና ኣይመስለንን፡

–    ልሙድ ኣሰራርሓ ትካላውነት ስለዝዀነ፡ ነቲ ትሕዝቶ ካብ ባዕላዊ ናብ ወድዓዊ ንቐይሮ፡

–    “ለውጢ” ብ “ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ” ክትካእ ጸዊዑ፡

–    ናብ “ናሕሲ ሃገር ሃገራዊ፣ ሓቛፊ፣ ክፉት…” ንቐይሮ፡

–    “ዓላማ” “ዕላማ” ብዝብል ይተኣረም፡

–    “መርሖ” ንመርሓው ልዳት ህድሞ ስለዝገልጽ እዩ ከም መእተዊ ተመሪጹ፡

መኣ፡

–    እዚ ኣብ መርበብ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ መበገሲ ሓሳብን ጽሑፍን እዩ፡

–    ኩላትና ብንሰመማዓሉ ትሕዝቶ ክትካእ ጽቡቕ እመስለኒ፡

–    “ተጸንበሩና” ንዝተጀመረ ዕላማ ንምዕዋት ምሳና ሓቢርኩም ስርሑ ስለዘስምዕ፡ ተጸንበሩና ዝሓሸ እመስለኒ፡

 

5.  ተወሰኽቲ ዋኒናት፡

ግደ፡

–    ኣላት ውክልና ጾታን ሃይማኖትን ከማልኡ ዝኽእሉ ክንውስኽ፡

ገ፡

–    ንቛንቛ ዓረብ ዝውክል ድሕረ ገጽ እንተዝውሰኽ ጽቡቕ ነይሩ፡

–    ብጽፉፍ እንተተጀሚሩ፡ ኩሉ ሃገራዊ ክዓስሎ እዩ፡

ኣጉ፡

–    ምስጢራውነት ኣኼባና ዝተሓለወ ክኸውን ተማሕጺኑ፡

–    ኣብ ኣኼባ ዝግበሩ ልዝባት ፈጺሞም ግዳም ከይወጹ ኣዘኻኺሩ፡

 

6.  መዕጸዊ

–    ኣብ ዝቕጽል ኣኼባና ክቐርቡ እትደልይዎም ዛዕባታት እንተሃልዮም ክሳብ ረቡዕ ናብ መኣ ክለኣኹ፡

–    ሓሙስ ዛዕባታት ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ክለኣኹ፡   

 

ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት

1.  ኣይነበሩን።

 

ውጽኢታት ድምጽታት

1.  ኣይነበሩን።

 

 

ውሳነታት

ኣይነበሩን።

 

ዕዮታት

ኣይነበሩን።

 

ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያ

1.  ዕማማት ኣለሊና፡ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ክንውዝዕ፡

2.  ኣርእስቲ መሪጽና፡ ጽሑፋት ክነዳሉ ክንጅምር፡

3.  ጽሑፋት ዝመምዩን፡ ካልኦት ዕማማት ዘሰላስሉን ሽማገለታት ክቖሙ፡

 

ምጽዳቕ ደቓይቕ

ትሕዝቶ እዚ ደቓይቕ ኣብ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ክጽድቕ። ክውሰኽ፣ ክመሓየሽ፣ ክጐድል ዝድለይ

ትሕዝቶ እንተሃልዪ፡ ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ እዚ ደቓይቕ ዝጸድቕ፡ ብጽሑፍ ኽቐርብ። 

 

 

 

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ