ደቓይቕ
| ቁጽሪ
0006 |
ዕለት
ቀዳም 29 ነሓሰ 2026 |
ሰዓት
– ኤድመንቶን ሰዓት – አኣ፡ ተተ፡ ሰዓት 1500 – 1600 – ሲያትል ሰዓት – ግደ፡ ሰዓት 1400 – 1500 – ቫንኩቨር ሰዓት – ገኣ፡ ሰዓት 1400 – 1500 – ዋሽንግቶን ዲሲ ሰዓት – ሃሃ፡ ሰዓት 1700 – 1800 – ሎንዶን ሰዓት- መኣ፡ ሰዓት 2200 – 2300
|
| ቦታ፡ “WhatsApp” |
| ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ |
| ዛዕባታት ኣኼባ፡ |
| 1. መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፣ ምጽዳቕ ደቓይቕን ዝውሰዅ ዛዕባታትን፡ | 05 ደቓይቕ |
| 2. ኤርትራ፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት፡ውልቃዊ ተመኵርኡ ከካፍለና ብገኣ ዝምራሕ ዘተ፡ | 15 ደቓይቕ |
| 3. መርገጺ ናሕሲ ሃገር ኣብዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ሕቶ ምምላስ ዝምልከት፡
– ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ነጥብታት ቃልስና፡ ኣብ ሃገር ዝተሰውኡ ሰማእታት ልዑላውነትን ህዝብን። – ፈለማ ሓድነት፤ ካብኡ ዘይፍለ መንእሰይን ኩነታቱን፣ መንእሰይን ኣብኡ ዝጽበየና ስራሕን። – ናሕሲ ሃገር፤ ዓቕምና እንታይ እዩ፧ እንታይ ኣለና፡ እንታይ የብልናን፧ እንታይ ኢና፡ እንታይ ኣይኮናን፧ |
10 ደቓይቕ |
| 4. ንህልው ኩነታት ዕብየት ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ብግደ ዝቐረቡ ነጥብታት ፡
– ናብ ዓሰርተው ሓደ ንምብጻሕ ብሓባር ንኺድ። – መርበብናን ኣብ ሃገር ንሰፍሮ ሓሳባትን። – ከነዕሙቕ ድዩ ወይስ ከነስፍሕ ዝግብኣና፧ – ክሳብ ሕጂ ኣመንቲ እስልምና ወይ ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበሩና ዘይክኣሉ እንታይ እዩ ዝዕንቅፍና ዘሎ፧ – ንነዋሕትን ኣገደስትን ዕላማታትና ኣብ ግዚኦም ክንርእዮም፣ ከይነጸግና ኸኣ ክንስንዶም። – ሕጂ ኣብ ንጹራትን ግብራውያንን ሓሳባትና ክንምያየጥን ክንሰርሕን፤ ካብ ናይ ብሓቂ ሓቅታት ድማ ክንጅምር። |
10 ደቓይቕ |
| 5. ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ አኣ ዕድል ክወሃቦ፡ | 10 ደቓይቕ |
| 6. ተወሰኽቲ ዋኒናት፡ | 05 ደቓይቕ |
| 7. መዕጸዊ፡ | 05 ደቓይቕ |
| ኣስማት ተሳተፍቲ፡ ግደ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ መኣ፡ ተተ |
| ዝተረኸቡ፡ ግደ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ መኣ፡ ተተ፡ |
| ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ገኣ |
| ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን |
| ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን |
| ዕዱማት፡ ኣይነበሩን |
| መኽፈቲ
1. መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ናይ ሎሚ ዛዕባታትን፡ – ደቓይቕ ናይ ዕለት 22.08.26 ስሩዕ ኣኼባ ብሓባራዊ ድምጺ ጸዲቑ፡ |
| ልዝባት
2. ኤርትራ፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት፡ውልቃዊ ተመኵርኡ ከካፍለና ብገኣ ዝምራሕ ዘተ፡ – ገኣ ኣፍቂዱ ስለዝቦዀረ፡ “ምምሕዳር ቍጠባ ሃገር፡ ፍሩይ ስነቁጥባ”፡ ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ነበሩ ጅማሮታትን ከይድታትን ዝብል ኣርእስቲ ብመኣ ቀሪቡ፡ መኣ፡ – ንምምሕዳር ቁጠባ ሃገር ዝምልከት ብዓይኒ ፍሩይ ስነ ቍጠባ ሓጺር መብርሂ ሂቡ፡ – ቀንዲ ዕዮ መንግስቲ ምምሕዳር ፍሩይ ስነ ቍጠባ ምዃኑን፡ እዚ ማለት ድማ ምቍጽጻር ዝቕባበ፣ ምርግጋጽ ቍጠባዊ ዕብየትን ምድራት ሽቕለት ኣልቦነትን ከምዝዀነ ገሊጹ፡ – ነዚኦም ንምትግባር ድማ ክልተ ቍጠባዊ ሜላታት ይጥቀም፡ ምምሕደራ መንግስታዊ ማልስን ምሕደራ ባጤራን፡ – ምሕደራ ፍሩይ ስነ ቍጠባ ድማ፡ ብጥቕሉል ሃገራዊ ኣታዊ ከምዝዕቀን ገሊጹ፡ – ጥቕሉል ኣታዊ ሃገር = ሸመተ+ወፍሪ+ምንግስታዊ ሃልኪ+ሰደድ-ኣታዊ ከምዝግለጽ ኣብሪሁ፡ – ቀንዲ ተዋሳእቲ ፍሩይ ስነ ቍጠባ፡ ጥርንፍቲ ቤተሰብ፡ መፍረይቲ፡ መንግስቲ ምዃኖም ነጊሩ፡ – ዝስደዱን ዝኣትውን ሸቐታት ድማ፡ ብዶብ ሰግር ንግዲ ከምዝዝወሩ ኣብሪሁ፡ – ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ንሕደ ክፋል መንግስታዊ ሃልኪ ዝምልከት፡ ሜላ ፍሩይ ስነ ቁጠባ ጥራይ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ገሊጹ፡ ንሱ ድማ፡ ንምእካብ ግብርን ቀረጽን ዝምልከት ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ – ዝያዳ ዝርዝራዊ መግለጺ ብምሃብ፡ ብኩራት ምእኩል ምሕደራ ቍጠባ ሃገር፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መግለጺ ገጢሙና ዘሎ ፍሽለት ምዃኑ ኣተንቢሁ፡ ሃሃ፡ – ውድድርን ዕብየትን ዘተባብዕ፡ ነጻ ዕዳጋ ማእከሉ ስርዓተ ቁጠባ ክህልወና ክንሰርሕ ኣዘኻኺሩ፡ ተተ፡ – ህልው ምሕደራ መሬት ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊጹ፡ – ንምሕደራ መሬት ዝምልከት መረዳእታና ንክሰፍሕን፡ ክንመያየጠሉን ኣዘኻኺሩ፡ ኣኣ፡ – ጽቡቕ መግለጺ ብምብላ ኣመስጊኑ፡ ግደ፡ – ጽቡቕ መግለጽን ኣጠቓቕማ ግዜን ብምባል ኣመስጊኑ፡
3. መርገጺ ናሕሲ ሃገር ኣብዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ሕቶ ምምላስ ዝምልከት፡ – ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ነጥብታት ቃልስና፡ ኣብ ሃገር ዝተሰውኡ ሰማእታት ልዑላውነትን ህዝብን። – ፈለማ ሓድነት፤ ካብኡ ዘይፍለ መንእሰይን ኩነታቱን፣ መንእሰይን ኣብኡ ዝጽበየና ስራሕን። – ናሕሲ ሃገር፤ ዓቕምና እንታይ እዩ፧ እንታይ ኣለና፡ እንታይ የብልናን፧ እንታይ ኢና፡ እንታይ ኣይኮናን፧ ግደ፡ – ኣብ ጉዳይ ሰማእታትን ልዑላውነትን ዘለና መርገጺ ብዘየወላውል ክነስምረሉ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ፡ – ሓድነት ሰፊሕ ኣምር እኳ እንተዀነ ናሕሲ ሃገር ንሓድነት ንኤርትራ ብምምሳል ከምዝላበሶ ገሊጹ፡ – መነሰያትና ብሰንኪ ፍሽልት ምምሕዳር ተበታቲኑን ግዳይ ዝተፈላለዩ ወልፍታትን ይኸውን ስለዘሎ፣ ኣብዚ ናሕሲ ሃገር ዕዮ ከምዘለዎ ኣፍሂሙ፡ – ህልው ዓቕምታት ናሕሲ ሃገር ገምጊምና፡ ንምብራኹ ተጊህና ክንዓይይ ከምዘለና ኣረዲኡ፡ ኣኣ፡ – ሰማእታትን ልዑላውነትናን ፈላሊኻ ዝረኣዩ ኣይኰኑን፡ በብውልቅና እውን ዝሰራሕናሉን ዋጋ ዝኸፈልናሉን ምዃኑ ኣረዲኡ፡ – ሓድነት ቀጻሊ ክንሰርሓሉ ከምዝግባእን፡ መንእሰያትና ክንምህርን ክንሓቍፍን ኣዘኻኺሩ፡ – ዓቕምታትን ናሕሲ ሃገር ክነዕብይ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ቀጻሊ ክንዝትየሉ ኣለና ኢሉ፡
ተተ፡ – ሰማእት ማለት ምስክር ማለት ስለዝዀነ፡ ንመሰኻኽር ልዑላውነትና ዘክብር ስራሕ ክንሰርሕ ከምዘለና ኣዘኻኺሩ፡ – ሓድነት ንሰርሓሉ ኣለና፡ ክነስፍሖ ተላብዩ፡ – መንእሰያትና ክሕብሓቡ ኣለዎም ኢሉ፡ – ዓቕሚ ናሕሲ ሃገር ዘበርኽ ስራሕ ክንሰርሕ ተማሕጺኑ፡
መኣ፡ – ሰማእታትናን ልዑላውነትናን ከምውሁባት መግለጺ ህላወና ክንወስዶም ይግባእ ኢሉ፡ – ሓድነት፡ ብርትዓዊ ውልክልናን ስራሕን እዩ ዝግለጽ ኢሉ፡ – መንእሰያትና ክመርሑን ክምርሑን ዘኽእሎም ባይታ ክንፈጥር ተላብዩ፡ – ንብራኸ ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ልዝባት ክነካይድ ከምዘለና ኣዘኻኺሩ፡
4. ንህልው ኩነታት ዕብየት ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ብግደ ዝቐረቡ ነጥብታት፡ – ናብ ዓሰርተው ሓደ ንምብጻሕ ብሓባር ንኺድ። – መርበብናን ኣብ ሃገር ንሰፍሮ ሓሳባትን። – ከነዕሙቕ ድዩ ወይስ ከነስፍሕ ዝግብኣና፧ – ክሳብ ሕጂ ኣመንቲ እስልምና ወይ ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበሩና ዘይክኣሉ እንታይ እዩ ዝዕንቅፍና ዘሎ፧ – ንነዋሕትን ኣገደስትን ዕላማታትና ኣብ ግዚኦም ክንርእዮም፣ ከይነጸግና ኸኣ ክንስንዶም። – ሕጂ ኣብ ንጹራትን ግብራውያንን ሓሳባትና ክንምያየጥን ክንሰርሕን፤ ካብ ናይ ብሓቂ ሓቅታት ድማ ክንጅምር። ግደ፡ – ኣብዚ ኣቕዲምና ብዙሕ ስለዝተዛረብናሉ ኣብ ኣባላት ምውሳኽ ጥራይ ክነተኵር ኣዘኻኺሩ፡ – “ዓብደል ዓዚዝ መሓመድ” ንኽጽንበረና ሓጽየዮ ዝነበርኹ፡ መልሲ ስለዘየፍለጠ፡ ስሒብዮ ኣለኹ ኢሉ፡ – “መነን ዓድስሄል” ትበሃል፡ ናይ ባንኪ ሞያ ዘለዋ፡ ክትጽንበረና ኣሚሙ፡ – ዕዱማትን ተዓዘብትን ኣብ ዘተና ንኽሳተፉ ኣሚሙ፡
ኣኣ፡ – “ነስረዲን” ተቐማጢ ቫንኩቨር ንኽጽንበረና ኣሚሙ፡
5. ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ አኣ ዕድል ክወሃቦ፡ ኣብ ክንዲ ኣኣ፡ መኣ ቀሪቡ፡
ግደ፡ – እንታይ ዓቕሚ ኣለና ዝብል ሕቶ ኣይተመለሰን ኢሉ፡
ኣኣ፡ – ሰነድ ክህልወና ኣለዎ ኢሉ፡ – ሕቶይ፡ ብስሩዕ መንገዲ ዋላ ኣይኹን፡ ተመሊሱ እዩ ኢሉ፡
ተተ፡ – ጽቡቕ መልሲ፡ – ምድላዋት ገይርና ክንመጽእ ድማ ኣዘኻኺሩ፡
6. ተወሰኽቲ ዋኒናት፡
– ኣንይነበሩን፡
7. መዕጸዊ፡ – ኣኼባ 1 ሰዓትን 50 ደቓይቕን ወሲዱ።
|
| ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት |
| 1. ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባና ይሳተፉ ዶ ኣይሳተፉ፧ |
| 2. መነን ክትጽንበረና እማመ ቀሪቡ |
| 3. ነስረዲን ክጽንበረና እማመ ቀሪቡ |
| 4. |
| 5. |
| 6. |
| 1. ውጽኢታት ድምጽታት | |
| 1. | |
| 2. | |
| 3. | |
| 4. | |
| 5. | |
| 6. | |
| ውሳነታት |
| 1. ተዓዘብትን ዕዱማትን ንኽሳተፉ ብሓባራዊ ድምጺ ተወሲኑ። |
| 2. መነን ክትጽንበረና ብሓባርዊ ድምጺ ተወሲኑ። |
| 3. ነስረዲን ክጽንበረና ብሓባራዊ ድምጺ ተወሲኑ። |
| 4. |
| 5. |
| 6. |
| 7. |
| ዕዮታት |
| 1. ብብሞያናን፡ በቲ ዓሚቝ ፍልጠት ዘለና ዓውድን፡ ንዕቤትና ዝሕግዙ ሓጸርቲ ኣስተምህሮ ክነቕርብ። |
| 2. ዕምቈት ፍልጥትናን ሌላናን ምስ ናሕሲ ሃገር ክንፍትሽ፡ ወሃብ መልሲ ኰይና፡ በብተራ “10 ደቓይቕ ዝወስድ”፡ ናይ ምክልኻል ልምምድ ክንገብር፡ |
| 3. ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ሓድሽ መልእኽቲ ኢመይል ክለአኽ እንከሎ፡ እንተወሓደ ዋላ ብሓንቲ ቃል ትኹን፡ ከምዝበጽሖ መልሲ ብምልኣኽ ከፍልጥ፡ |
| መዝነታት |
| 1. |
| 2. |
| 3. |
| 4. |
| 5. |
| 6. |
| ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያት |
| 1. |
| 2. |
| 3. |
| ምጽዳቕ ደቓይቕ
ትሕዝቶ እዚ ደቓይቕ ኣብ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ክጽድቕ። ክውሰኽ፣ ክመሓየሽ፣ ክጐድል ዝድለይ ትሕዝቶ እንተሃልዪ፡ ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ እዚ ደቓይቕ ዝጸድቕ፡ ብጽሑፍ ኽቐርብ። |
