ደቓይቕ ስሩዕ ኣኼባ 290826 ቑ 6

  

ደቓይቕ

ቁጽሪ

0006

ዕለት

ቀዳም 29 ነሓሰ 2026

ሰዓት

–    ኤድመንቶን ሰዓት – አኣ፡ ተተ፡ ሰዓት 1500 – 1600

–    ሲያትል ሰዓት – ግደ፡ ሰዓት 1400 – 1500

–    ቫንኩቨር ሰዓት – ገኣ፡ ሰዓት 1400 – 1500

–    ዋሽንግቶን ዲሲ ሰዓት – ሃሃ፡ ሰዓት 1700 – 1800

–    ሎንዶን ሰዓት- መኣ፡ ሰዓት 2200 – 2300

 

 

ቦታ፡ “WhatsApp”

 

ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ

 

ዛዕባታት ኣኼባ፡

 

1.      መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፣ ምጽዳቕ ደቓይቕን ዝውሰዅ ዛዕባታትን፡ 05 ደቓይቕ
2.     ኤርትራ፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት፡ውልቃዊ ተመኵርኡ ከካፍለና ብገኣ ዝምራሕ ዘተ፡ 15 ደቓይቕ
3.     መርገጺ ናሕሲ ሃገር ኣብዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ሕቶ ምምላስ ዝምልከት፡

–    ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ነጥብታት ቃልስና፡ ኣብ ሃገር ዝተሰውኡ ሰማእታት ልዑላውነትን ህዝብን።

–    ፈለማ ሓድነት፤ ካብኡ ዘይፍለ መንእሰይን ኩነታቱን፣ መንእሰይን ኣብኡ ዝጽበየና ስራሕን።

–    ናሕሲ ሃገር፤ ዓቕምና እንታይ እዩ፧ እንታይ ኣለና፡ እንታይ የብልናን፧ እንታይ ኢና፡ እንታይ ኣይኮናን፧

10 ደቓይቕ
4.     ንህልው ኩነታት ዕብየት ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ብግደ ዝቐረቡ ነጥብታት ፡

–    ናብ ዓሰርተው ሓደ ንምብጻሕ ብሓባር ንኺድ።

–    መርበብናን ኣብ ሃገር ንሰፍሮ ሓሳባትን።

–    ከነዕሙቕ ድዩ ወይስ ከነስፍሕ ዝግብኣና፧

–    ክሳብ ሕጂ ኣመንቲ እስልምና ወይ ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበሩና ዘይክኣሉ እንታይ እዩ ዝዕንቅፍና ዘሎ፧

–    ንነዋሕትን ኣገደስትን ዕላማታትና ኣብ ግዚኦም ክንርእዮም፣ ከይነጸግና ኸኣ ክንስንዶም።

–    ሕጂ ኣብ ንጹራትን ግብራውያንን ሓሳባትና ክንምያየጥን ክንሰርሕን፤ ካብ ናይ ብሓቂ ሓቅታት ድማ ክንጅምር።

10 ደቓይቕ
5.     ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ አኣ ዕድል ክወሃቦ፡ 10 ደቓይቕ
6.    ተወሰኽቲ ዋኒናት፡ 05 ደቓይቕ
7.     መዕጸዊ፡ 05 ደቓይቕ

 

ኣስማት ተሳተፍቲ፡ ግደ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ መኣ፡ ተተ
ዝተረኸቡ፡ ግደ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ መኣ፡ ተተ፡
ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ገኣ
ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን
ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን
ዕዱማት፡ ኣይነበሩን

 

መኽፈቲ

1.      መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ናይ ሎሚ ዛዕባታትን፡

–    ደቓይቕ ናይ ዕለት 22.08.26 ስሩዕ ኣኼባ ብሓባራዊ ድምጺ ጸዲቑ፡

 

ልዝባት

2.     ኤርትራ፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት፡ውልቃዊ ተመኵርኡ ከካፍለና ብገኣ ዝምራሕ ዘተ፡

–    ገኣ ኣፍቂዱ ስለዝቦዀረ፡ “ምምሕዳር ቍጠባ ሃገር፡ ፍሩይ ስነቁጥባ”፡ ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ነበሩ ጅማሮታትን ከይድታትን ዝብል ኣርእስቲ ብመኣ ቀሪቡ፡

መኣ፡

–    ንምምሕዳር ቁጠባ ሃገር ዝምልከት ብዓይኒ ፍሩይ ስነ ቍጠባ ሓጺር መብርሂ ሂቡ፡

–    ቀንዲ ዕዮ መንግስቲ ምምሕዳር ፍሩይ ስነ ቍጠባ ምዃኑን፡ እዚ ማለት ድማ ምቍጽጻር ዝቕባበ፣ ምርግጋጽ ቍጠባዊ ዕብየትን ምድራት ሽቕለት ኣልቦነትን ከምዝዀነ ገሊጹ፡

–    ነዚኦም ንምትግባር ድማ ክልተ ቍጠባዊ ሜላታት ይጥቀም፡ ምምሕደራ መንግስታዊ ማልስን ምሕደራ ባጤራን፡

–    ምሕደራ ፍሩይ ስነ ቍጠባ ድማ፡ ብጥቕሉል ሃገራዊ ኣታዊ ከምዝዕቀን ገሊጹ፡

–    ጥቕሉል ኣታዊ ሃገር = ሸመተ+ወፍሪ+ምንግስታዊ ሃልኪ+ሰደድ-ኣታዊ ከምዝግለጽ ኣብሪሁ፡

–    ቀንዲ ተዋሳእቲ ፍሩይ ስነ ቍጠባ፡ ጥርንፍቲ ቤተሰብ፡ መፍረይቲ፡ መንግስቲ ምዃኖም ነጊሩ፡

–    ዝስደዱን ዝኣትውን ሸቐታት ድማ፡ ብዶብ ሰግር ንግዲ ከምዝዝወሩ ኣብሪሁ፡

–    ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ንሕደ ክፋል መንግስታዊ ሃልኪ ዝምልከት፡ ሜላ ፍሩይ ስነ ቁጠባ ጥራይ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ገሊጹ፡ ንሱ ድማ፡ ንምእካብ ግብርን ቀረጽን ዝምልከት ምዃኑ ኣፍሊጡ፡

–    ዝያዳ ዝርዝራዊ መግለጺ ብምሃብ፡ ብኩራት ምእኩል ምሕደራ ቍጠባ ሃገር፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መግለጺ ገጢሙና ዘሎ ፍሽለት ምዃኑ ኣተንቢሁ፡

ሃሃ፡

–    ውድድርን ዕብየትን ዘተባብዕ፡ ነጻ ዕዳጋ ማእከሉ ስርዓተ ቁጠባ ክህልወና ክንሰርሕ ኣዘኻኺሩ፡

ተተ፡

–    ህልው ምሕደራ መሬት ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊጹ፡

–    ንምሕደራ መሬት ዝምልከት መረዳእታና ንክሰፍሕን፡ ክንመያየጠሉን ኣዘኻኺሩ፡

ኣኣ፡

–    ጽቡቕ መግለጺ ብምብላ ኣመስጊኑ፡

ግደ፡

–    ጽቡቕ መግለጽን ኣጠቓቕማ ግዜን ብምባል ኣመስጊኑ፡

 

3.     መርገጺ ናሕሲ ሃገር ኣብዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ሕቶ ምምላስ ዝምልከት፡

–    ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ነጥብታት ቃልስና፡ ኣብ ሃገር ዝተሰውኡ ሰማእታት ልዑላውነትን ህዝብን።

–    ፈለማ ሓድነት፤ ካብኡ ዘይፍለ መንእሰይን ኩነታቱን፣ መንእሰይን ኣብኡ ዝጽበየና ስራሕን።

–    ናሕሲ ሃገር፤ ዓቕምና እንታይ እዩ፧ እንታይ ኣለና፡ እንታይ የብልናን፧ እንታይ ኢና፡ እንታይ ኣይኮናን፧

ግደ፡

–     ኣብ ጉዳይ ሰማእታትን ልዑላውነትን ዘለና መርገጺ ብዘየወላውል ክነስምረሉ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ፡

–    ሓድነት ሰፊሕ ኣምር እኳ እንተዀነ ናሕሲ ሃገር ንሓድነት ንኤርትራ ብምምሳል ከምዝላበሶ ገሊጹ፡

–    መነሰያትና ብሰንኪ ፍሽልት ምምሕዳር ተበታቲኑን ግዳይ ዝተፈላለዩ ወልፍታትን ይኸውን ስለዘሎ፣ ኣብዚ ናሕሲ ሃገር ዕዮ ከምዘለዎ ኣፍሂሙ፡

–    ህልው ዓቕምታት ናሕሲ ሃገር ገምጊምና፡ ንምብራኹ ተጊህና ክንዓይይ ከምዘለና ኣረዲኡ፡

ኣኣ፡

–    ሰማእታትን ልዑላውነትናን ፈላሊኻ ዝረኣዩ ኣይኰኑን፡ በብውልቅና እውን ዝሰራሕናሉን ዋጋ ዝኸፈልናሉን ምዃኑ ኣረዲኡ፡

–    ሓድነት ቀጻሊ ክንሰርሓሉ ከምዝግባእን፡ መንእሰያትና ክንምህርን ክንሓቍፍን ኣዘኻኺሩ፡

–    ዓቕምታትን ናሕሲ ሃገር ክነዕብይ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ቀጻሊ ክንዝትየሉ ኣለና ኢሉ፡

 

ተተ፡

–    ሰማእት ማለት ምስክር ማለት ስለዝዀነ፡ ንመሰኻኽር ልዑላውነትና ዘክብር ስራሕ ክንሰርሕ ከምዘለና ኣዘኻኺሩ፡

–    ሓድነት ንሰርሓሉ ኣለና፡ ክነስፍሖ ተላብዩ፡

–    መንእሰያትና ክሕብሓቡ ኣለዎም ኢሉ፡

–    ዓቕሚ ናሕሲ ሃገር ዘበርኽ ስራሕ ክንሰርሕ ተማሕጺኑ፡

 

መኣ፡

–    ሰማእታትናን ልዑላውነትናን ከምውሁባት መግለጺ ህላወና ክንወስዶም ይግባእ ኢሉ፡

–    ሓድነት፡ ብርትዓዊ ውልክልናን ስራሕን እዩ ዝግለጽ ኢሉ፡

–    መንእሰያትና ክመርሑን ክምርሑን ዘኽእሎም ባይታ ክንፈጥር ተላብዩ፡

–    ንብራኸ ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ልዝባት ክነካይድ ከምዘለና ኣዘኻኺሩ፡

 

 

 

4.     ንህልው ኩነታት ዕብየት ናሕሲ ሃገር ዝምልከቱ ብግደ ዝቐረቡ ነጥብታት፡

–    ናብ ዓሰርተው ሓደ ንምብጻሕ ብሓባር ንኺድ።

–    መርበብናን ኣብ ሃገር ንሰፍሮ ሓሳባትን።

–    ከነዕሙቕ ድዩ ወይስ ከነስፍሕ ዝግብኣና፧

–    ክሳብ ሕጂ ኣመንቲ እስልምና ወይ ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበሩና ዘይክኣሉ እንታይ እዩ ዝዕንቅፍና ዘሎ፧

–    ንነዋሕትን ኣገደስትን ዕላማታትና ኣብ ግዚኦም ክንርእዮም፣ ከይነጸግና ኸኣ ክንስንዶም።

–    ሕጂ ኣብ ንጹራትን ግብራውያንን ሓሳባትና ክንምያየጥን ክንሰርሕን፤ ካብ ናይ ብሓቂ ሓቅታት ድማ ክንጅምር።

ግደ፡

–    ኣብዚ ኣቕዲምና ብዙሕ ስለዝተዛረብናሉ ኣብ ኣባላት ምውሳኽ ጥራይ ክነተኵር ኣዘኻኺሩ፡

–    “ዓብደል ዓዚዝ መሓመድ” ንኽጽንበረና ሓጽየዮ ዝነበርኹ፡ መልሲ ስለዘየፍለጠ፡ ስሒብዮ ኣለኹ ኢሉ፡

–    “መነን ዓድስሄል” ትበሃል፡ ናይ ባንኪ ሞያ ዘለዋ፡ ክትጽንበረና ኣሚሙ፡

–    ዕዱማትን ተዓዘብትን ኣብ ዘተና ንኽሳተፉ ኣሚሙ፡

 

ኣኣ፡

–    “ነስረዲን” ተቐማጢ ቫንኩቨር ንኽጽንበረና ኣሚሙ፡

 

 

5.     ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ አኣ ዕድል ክወሃቦ፡ ኣብ ክንዲ ኣኣ፡ መኣ ቀሪቡ፡

 

ግደ፡

–    እንታይ ዓቕሚ ኣለና ዝብል ሕቶ ኣይተመለሰን ኢሉ፡

 

ኣኣ፡

–    ሰነድ ክህልወና ኣለዎ ኢሉ፡

–    ሕቶይ፡ ብስሩዕ መንገዲ ዋላ ኣይኹን፡ ተመሊሱ እዩ ኢሉ፡

 

ተተ፡

–    ጽቡቕ መልሲ፡

–    ምድላዋት ገይርና ክንመጽእ ድማ ኣዘኻኺሩ፡

 

 

6.    ተወሰኽቲ ዋኒናት፡

 

–    ኣንይነበሩን፡

 

7.     መዕጸዊ፡

–    ኣኼባ 1 ሰዓትን 50 ደቓይቕን ወሲዱ።

 

 

ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት
1.      ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባና ይሳተፉ ዶ ኣይሳተፉ፧
2.     መነን ክትጽንበረና እማመ ቀሪቡ
3.     ነስረዲን ክጽንበረና እማመ ቀሪቡ
4.
5.
6.

 

1.      ውጽኢታት ድምጽታት
1.         
2.        
3.
4.
5.
6.

 

 

ውሳነታት
1.      ተዓዘብትን ዕዱማትን ንኽሳተፉ ብሓባራዊ ድምጺ ተወሲኑ።
2.     መነን ክትጽንበረና ብሓባርዊ ድምጺ ተወሲኑ።
3.     ነስረዲን ክጽንበረና ብሓባራዊ ድምጺ ተወሲኑ።
4.
5.
6.
7.

 

ዕዮታት
1.      ብብሞያናን፡ በቲ ዓሚቝ ፍልጠት ዘለና ዓውድን፡ ንዕቤትና ዝሕግዙ ሓጸርቲ ኣስተምህሮ ክነቕርብ።
2.     ዕምቈት ፍልጥትናን ሌላናን ምስ ናሕሲ ሃገር ክንፍትሽ፡ ወሃብ መልሲ ኰይና፡ በብተራ “10 ደቓይቕ ዝወስድ”፡ ናይ ምክልኻል ልምምድ ክንገብር፡
3.     ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ሓድሽ መልእኽቲ ኢመይል ክለአኽ እንከሎ፡ እንተወሓደ ዋላ ብሓንቲ ቃል ትኹን፡ ከምዝበጽሖ መልሲ ብምልኣኽ ከፍልጥ፡

 

መዝነታት
1.       
2.      
3.      
4.      
5.      
6.     

 

ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያት
1.       
2.      
3.      

 

ምጽዳቕ ደቓይቕ

ትሕዝቶ እዚ ደቓይቕ ኣብ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ክጽድቕ። ክውሰኽ፣ ክመሓየሽ፣ ክጐድል ዝድለይ ትሕዝቶ እንተሃልዪ፡ ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ እዚ ደቓይቕ ዝጸድቕ፡ ብጽሑፍ ኽቐርብ።

 

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ