ደቓይቕ
| ቁጽሪ
0001 |
ዕለት
ቀዳም 25 ሓምለ 2026 |
ሰዓት
ለንደን 1500 – 1650፡ ኤድመንቶን 0900 – 1050፡ ዲሲ 1000 – 1150፡ ሲያትል 0800 – 0950፡ |
| ቦታ፡ “WhatsApp” |
| ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ |
|
ዛዕባታት ኣኼባ
ዛዕባታት፡ 1. መኽፈቲ፣ ልውውጥ ሰላምታ፡ ምጽዳቕ ደቓይቕ፡ 2. ሓጺር መብርሂ ንድርብ ኣባልነት ዝምልከት (ብኣጕ)፡ 3. ልዝብ ብዛዕባ ድርብ ኣባልነትን ምሃብ ድምጽን፡ 4. ምይይጥ ብዛዕባ ምምልማል ተወሰኽቲ ኣባላት መርሒነት፡ 5. ንዓምድታት ምርበብ ናሕሲ ሃገር ምምኽኻር፡ 6. መዕጸዊ፡ |
(03 ደቓይቕ) (15 ደቓይቕ) (30 ደቓይቕ) (40 ደቓይቕ) (20 ደቓይቕ) (05 ደቓይቕ) |
| ኣስማት ተሳተፍቲ
ዝተረኸቡ፡ ግድ፡ ኣጕ፡ መኣ፡ ሃሃ፡ ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን
ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን
ዕዱማት፡ ኣይነበሩን
|
| መኽፈቲ
1. መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ዛዕባታትን፡ – ዝቐረቡ ደቓይቕ ኣይነበሩን፡ – ዝጸድቁ ደቓይቕ ኣይነበሩን፡ |
| ልዝባት
2. ሓጺር መብርሂ ንድርብ ኣባልነት ዝምልከት (ብኣጕ)፡ ኣጕ፡ ንብልጫታትን ድኹም ጐድንታትን ድርብ ኣባልነት ዝምልከት ሓጺር መብርሂ ኣቕሪቡ፡ – ብልጫታት ድርብ ኣባልነት፦ o ምስግጋር ክእለት፣ ተመኵሮን ጥበብን፡ o ቁጽሪ ኣባላት የበርክት፡ o ምኽዕባት ጸጋታት ይሕግዝ (ተመኵሮ፣ ትሕዝቶ ወዘተ) o ምትእምማን ኣብምዅስኳስ ይሕግዝ፡ o ርክባት የስፍሕ፡ o ንልኡማት ኣባላት ህብረተሰብ የበራብርን ተሳትፈኦም ይዕዝዝን፡ – ድኹም ጐድኒ ድርብ ኣባልነት፦ o ምምሕዳራውን መትከላውን ምድንጋራት ይፈጥር፡ o ኣድህቦ ኣባላት ከፋፊሉ ትክላዊ ድኻም ይፈጥር፡ o ምግርጫው ረብሓታትን ልምሰት ውዳበን የስዕብ፡ o ምጥርጣራትን ዘይምትእምማናትን የስፍን፡ o ላሕኲ ምስጢራት የምጽእ ብምባል ደምዲሙ፡፡ ሃሃ፡ – ኣሰራርሓና ግሉጽ፣ ክፉትን፡ ተጻባኢ ዘኰነ ክኸውን ኣዘኻኺሩ፡ – ብሰንክና ዝጉዳእ ዜጋ ከይህሉ ክንሰርሕ፡ – ንድርብ ኣባልነት ክፉታት ንኹን፡ – ምስ ዝተፈላለዩ ንዓና ዝመስሉ ምትእኽኻባት ክንዓዪ ንትጋህ ኢሉ። መኣ፡ – ብደረጃ ውዳበን ጥርናፈን ምልፋንን ምጽንባርን ብወገነይ ጸገም ኣይህልዎን፡ – ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝዀና ሞያዊ ወይ ሃማኖታዊ ማሕበራት ዝነጥፉ አባላት ኽኰኑ ከም ድርብ ኣባልነት ዝቑጸር ኣይመስለንን፡ – ድርብ ኣባልነት ውዳበ ግን ክህሉ የብሉን ኢሉ። ኣጕ፡ – ብልኡኽ ደረጃ፡ ብኣፍልጦ መርሒነት፡ ዝምድና ንምዕባይን ጽልዋ ንምፍጣርን ንድርብ ኣባልነት ክፉታት ክንከውን ኣዘኻኺሩ፡ – ድርብ ኣባልነት ብውዳበ ደረጃ ግን እንተዘይሃለወ ይምረጽ ኢሉ። ግደ፡ – ብልኡኽ ደረጃ፡ ብኣፍለጦ መርሒነት፡ ድርብ ኣባለነት ንጽልዋን ዝምድናን ክህሉ ደጊፉ፡ – ድርብ ኣባልነት ብውዳበ ደረጃ ግን ክህሉ የብሉን ኢሉ። ሃሃ፡ – ድርብ ኣባልነት ብውዳበ ደረጃ ኣብዚ እዋን እዚ ከይህሉ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ፡ – ኣብ ቀጻሊ ምስ ኩነታት ንድርብ ኣባልነት ዝምልከት ምትዕጽጻፍ ክነርእይ ተላብዩ።
3. ምውሳኽ ኣባላት መርሒንት ዝምልከት (ሓድሽ ብመራሒ ኣኼባ ዝቐረበ ዛዕባ)፡ ግደ፡ – ሓቀኛ ሓድነት ንኽህልወና ሕቶ ውክልና ኣብ ግምት የእቲና ኣባላት ክንውስኽ ዝብል እማመ ኣቕሪቡ፡ – መርሒነት ብዝተኻእለ መጠን 11 ንኽመልኡ ተሳተፍቲ ኣኼባ በብወገኖም ዝፈልጥዎም፣ ዝተኣማመኑሎምን፡ ብቑዓትን ኣባላት መርሒነት ኽዀኑ ዝኽእሉን ክምልምሉ ኣዘኻኺሩ፡ – ብወገኑ ሓሙሽተ ብቑዐት ዝብሎም ረቚሑ፡ – 1. ገሬ (ተጋዳላይ ጀብሃ ነበር) – ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ዘተኣማምን ብቕዓትን ተወፋይነትን ዘለዎ፡ ንሕቶ ውክልና ከዛንቕ፡ ምኩር ተቓላሳይ ምዃኑ ገሊጹ፡ ረቚሕዎ፡ – 2. ተኽለማርያም – ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ዲቁናን፡ ብቑዕ ድሕረባይታ ናይ ትምህርትን ተመኩሮን ዘለዎ ምስ ኩሎም ኣባላት ተራኺቡ ዝፈልጥን፡ ምዃኑን ኣዘኻኺሩ፡ ረቚሕዎ፡ – 3. ኤደን እያሱ – ሓብቱ ንኣማኑኤል እያሱ ምስ ስክፍታታቱ ደቀንስትዮ ንኽትውክል፡ ረቊሑዋ። – 4. ኪዳነማርያም – ኣባል ተሌቭዢን ኤርትራ ነበር ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዓውዲ መራኸቢታ ኽሕግዘና ይኽእል እዩ ብምባል፡ ረቚሕዎ፡ – 5. ዓዚዝ (ወዲ ማይጭሆት) – መታዓብይቱ ምዃኑ ገሊጹ፡ ንሕቶ ውክልና ክምልስ ይኽእል እዩ ብምባል፡ ረቚሕዎ። ኣጕ፡ – ስኒት፡ መረዳእታን ውህደትን ከዕቢ ብዘኽእል መንገዲ፡ ብቝዓት ኣባላት መርሒነት ክውሰኹ መንገዲ ነጣጥሕ ኢሉ፡ – ኣጸቢቕና ንፈልጦም ኣጽኒዕ ክንውስኽ ተላብዩ፡ – ኣብ ኤደን ስክፍታ ኣለኒ ብምባል፡ ኤርትራ ማእከል ገይራ ትዓዪይ እያ ዝብል እመንት የብለይን ብምባል፡ ተቓውምኡ ኣፍሊጡ፡ – ኣብ ኣሰና ፍሉይ ጥርናፈ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሉ፡ – ኣብ ብቕዓትን ዓቅምን ኪዳነማርያም ዘለዎ ዕቃበታት ኣፍሊጡ፡ ሃሃ፡ – መራሒ ኣኼባ ንጹር ግብራዊ መዛረቢ ዛዕባ ምምጽኡ ኣመስጊኑ፡ – ንፈልጦም ጥራይ ዘይዀኑ፡ ዝደለየ ንኽጽንበረና ክፉታት ክንከውን ኣለና ኢሉ፡ – ብግደ ንዝተረቊሑ ድማ ከምዝተቐበሎም ኣፍሊጡ፡ መኣ፡ – ኣባላት ክጽንበሩና ክፉታት ክንከውን ደጊፉ፡ – ተጸንበርቲ ኣባላት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ መርሒነት ከማልእዎ ዝግባእ ቅጥዒ ክህልወናን፡ ኣብ ሕገ-ደንቢ ናሕሲ ሃገር ክውሰኽን፡ ኣዘኻኺሩ፡ – ንኤደን እያሱ ከምዘይቅበላ ኣፍሊጡ፡ – ካልኦት ብግድ ዝተርቝሑ፡ መምዘኒ እንተኣማሊኦም ኣባላት ክዀኑ ጸገም ከምዘይብሉ ገሊጹ፡ ግደ፡ – ሓሙሽተ ቀንዲ ኣባላት ክህልውን፡ መሪሕነት ኣብ መንጐ እዞም ሓሙሽተ ክዘውርን ኣሚሙ፡ – ብድሕሪት ኰይና ጓሰይቲ ክንከውን ኣዘኻኺሩ፡ – እታ ንብህጋ ኤርትራ ኣብ’ዞም 11 ኣባላት መሪሕነት ክንርእያ ክንሰርሕ ኣለና ኢሉ፡ – ሕቶ ውክልና ቀዳምነት ሂብና ክንዓዪ ተላብዩ፡ ኣጕ፡ – ገሬን ተኽለማርያምን ኣባላት መሪሕነት ኽዀኑ ደገፉ ገሊጹ፡ – ብቕዓት መዐቀኒና ይኹን ኢሉ፡ – ኤርትራ ትመስል መሪሕነት ክነቕውም ክንሰርሕ ተማሕጺኑ፡ ሃሃ፡ – ኩኡ ኤርትራዊ ዋንነት ከምዝስምዖ ክንገብር ክንሰርሕ ተላብዩ፡ ግደ፡ – ንተጸንበርቲ ኣባላት ዝምልከት ቅጥዒ ተጸንበርቲ ኣጕ ንኸርቅቕ ብመራሒ ኣኼባ ተመዚዙ፡
4. ንዓምድታት መርበብ ሓበሬታ ናሕሲ ሃገር ዝምልከት ዛዕባ፡ ግደ፡ – ኣብ መርበብ ሰፊሩ ዘሎ ዓምድታት ኣዝዩ ሰፊሑ ስለዘሎ ምስ ዓቕምና ብዝኸይድ መንገዲ ክጸብብ ኣለዎ ኢሉ፡ – ካብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ክበዝሕ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ክሕጸሩ ኣሚሙ፡ (1. ኣንፈት (movement focus)፣ 2. ዓሚቕ ዘተ (serious Dialogue)፣ መንእሰይን ትምህርትን (Youth and Education፣ 4. ዕቤትቴክኖሎጂ (Progress and Technology)፣ 5. ሓሳብካ ኣበርክት (Participate with your ideas።) ሃሃ፡ – ካብ ጽብብ ዝበለ ቁጽሪ ዓምድታት ናብ ግፍሕ ዝበለ ንኺድ፡ መኣ፡ – ብዝርዝር ክንዘራረበሉን፡ ተረዳዴና ክንገብሮን ተመራጺ ነይሩ። ግዜ ስለዘየለ፡ በቲ ተባሂሉ ዘሎ ኣጽቢብና ክንጅምር ጸገም ዘለዎ ኣይኰነን። ኣጕ፡ – ግዜ ወሲደ ርእየ ብመንገዲ whatsApp ሓሳበይ ክህብ ኢሉ።
5. ተወሳኺ ዋኒናት – ኣይተኣንገደን። 6. መዕጸዊ – ተኣሚሞም ንዘለዉ እማመታት ዝምልከት ተወሰኽቲ ርእይቶታት ብ“ኢመይል” ንኽንልኣኣኽ ተሰማሚዕና፡ |
| ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት
1. ድርብ ኣባልነት ይፈቐድ ዶ ኣይፈቐድ። |
| ውጽኢታት ድምጽታት
1. ድርብ ኣባልነት ይፈቐድ ዶ ኣይፈቐድ። 3 ኣይፈቐድ 1 ይፈቐድ |
| ውሳነታት
ድርብ ኣባልነት ከይህሉ ተወሲኑ። ኣብ ውሽጣዊ ሕገ-ደንቢ ንኽሰፍር ድማ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። |
| ዕዮታት
ኣጕ – ንቅጥዒታት ተጸንበርቲ ኣባላት ዝምልከት ሰነድ ንኸርቅቕ ተመዚዙ። |
| ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያት
የለዉን። |
|
ምጽዳቕ ደቓይቕ
|


