ደቓይቕ ስሩዕ ኣኼባ 220826 ቑ 5

  

ደቓይቕ

ቁጽሪ

0005

ዕለት

ቀዳም 22 ነሓሰ 2026

ሰዓት

–    ኤድመንቶን ሰዓት – አኣ፡ ተተ፡ ሰዓት 1500 – 1600

–    ሲያትል ሰዓት – ግደ፡ ሰዓት 1400 – 1500

–    ቫንኩቨር ሰዓት – ገኣ፡ ሰዓት 1400 – 1500

–    ዋሽንግቶን ዲሲ ሰዓት – ሃሃ፡ ሰዓት 1700 – 1800

–    ሎንዶን ሰዓት- መኣ፡ ሰዓት 2200 – 2300

 

 

ቦታ፡ “WhatsApp”

 

ዓይነት ኣኼባ፡ ስሩዕ ኣኼባ

 

ዛዕባታት ኣኼባ፡

 

1.      መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ናይ ሎሚ ዛዕባታትን፡

05 ደቓይቕ

2.     ሌላን መልእኽቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ንሓደስቲ ተጸንበርቲ ኣባላት፡

05 ደቓይቕ

3.     ኣድላይነትን ወሳንነትን ምህናጽ ትካላዊ ቍመና ዝብል ዘተ ብኣኣ ዝምራሕ፡

15 ደቓይቕ

4.     ንምውሳኽ ክልተ ዓምድታት ዝምልከት እማመ፡

05 ደቓይቕ

5.     ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ ተተ ዕድል ክወሃቦ፡

10 ደቓይቕ

6.    ተወሰኽቲ ዋኒናት፡

05 ደቓይቕ

7.     መዕጸዊ፡

05 ደቓይቕ

 

ኣስማት ተሳተፍቲ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተተ

ዝተረኸቡ፡ ግድ፡ ኣኣ፡ ሃሃ፡ ገኣ፡ መኣ፡ ተተ፡

ኣፍሊጦም ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን

ከየፍለጡ ዝቦዀሩ፡ ኣይነበሩን

ተዓዘብቲ፡ ኣይነበሩን

ዕዱማት፡ ኣይነበሩን

 

መኽፈቲ

1.      መኽፈቲ፣ ሰላምታ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ምጽዳቕ ደቓይቕ ዝሓለፈ ኣኼባን ናይ ሎሚ ዛዕባታትን፡

–    ደቓይቕ ናይ ዕለት 15.08.26 ብሓባራዊ ድምጺ ጸዲቑ፡

 

ልዝባት

2.     ሌላን መልእኽቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ንሓደስቲ ተጸንበርቲ ኣባላት፡

–    ክሳተፉ ካብ ዝግበኦም ኣባላት ከም ዘይተረኽቡ ተሓቢሩ፤

–    ናጽነት ተስፋሚካኤል ብወለንታ ሓሳባ ብምቕያራ ኣባል ናይቲ ምንቅስቓስ ከም ዘይኮነት ተረጋጊጹ፣ ዓብደልዓዚዝ መሓመድ እውን ከም ዘይተረኽበ ተጸብጺቡ።

3.     ኣድላይነትን ወሳንነትን ምህናጽ ትካላዊ ቍመና ዝብል ዘተ ብኣኣ ዝምራሕ፡

ኣኣ፡

–    ቀዳማይ ኣቕራቢ ኮይኑ ዝቐረበ ኣርኣያ፡ ኣብ ሞያዊ ፍልጠቱን ታሪኹን ተመርኲሱ ብሉጽን ስሩዕን ዝኾነ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣቀራርብኡ ንጹርን ግዜ ብግቡእ ዝተጠቀመሉን ነይሩ።

–    ኣብቲ ዝርዝራዊ መግለጺኡ፡ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብ ከም ስድራቤት፣ ትምህርቲ፣ ሕጊ፣ ሃይማኖት፣ ቁጠባን ሚድያን ዝኣመሰሉ ቀንዲ ዓንዲ-ትካላት ተዋሃሂዶም ክሰርሑ እንተክኢሎም ጥራይ እዩ ዚህነጽ ኢሉ።

–    ሎሚ ኣብ ኤርትራ እዚ ስርዐታዊ ሚዛን እዚ ስለ ዘየለ፡ ትካላት ደኪመን ብምዕናወን ፖለቲካዊ ልምሰት፣ መከራን ጃምላዊ ስደትን ከም ዘጋጠመ ኣነጺሩ።

–    እቲ እንኮ መውጽኢ ፍታሕ ዓሚቝ ትካላዊ ተሓድሶን ዳግመ-ህንጻን ምዃኑ ኣመልኪቱ። ስርዓተ ትምህርቲ ምሕዳስ፣ ቋዋማዊ ስርዓት ምትካል፣ ሕጊ ምኽባር፣ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ዕርቂ ክነጥፋ ምግባር፣ ከምኡ ውን ውልቀ-ኣውፈርቲ ምትብባዕ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ።

ግደ፡

–    ኣቀራርባን ትሕዝቶን ኣስተምህሮ ንኢዱ፡

ሃሃ፡

–    ናይ ኤርትራ ጸገም ትካላዊ ምዃኑ ደጊፉ፡

ተተ፡

–    ኣርኣያ ዘቕረቦ ትሕዝቶ ብክልሰ-ሓሳብ ጽቡቅ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ወዲ ሰብ ብሓባር ክስጉም ቅንዕና ከም ዘድልዮን ካብ ውሽጣና ትካላት ምህናጽ ክጅመር ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

መኣ፡

–    እቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ሽግር ሕጋውያን ትካላት ካብ ፈለማ ስለ ዘይተሃንጻ ምዃኑ ብምሕባር፡ ከምቲ ተክለማርያም ዝበሎ ካብ ንእሽቶ ጀሚርና መሰረታዊ ሰርርዓዊ ጽገና እንደሊ ኣተሓሳሲቡ።

ገኣ፡

–    ሰብ ብባህርዩ ስሱዕ ስለ ዝዀነ እታ እትደልያ ሃገር ብጽኑዕ ሕጊ ጥራይ ክትረጋገጽ ከም ዘለዋ ኣጕሊሑ።

 

4.     ምጽዳቕ ደቓይቕ ቁ 1፡ ቁ 2፡ ቁ 3 ከም ኣካል ውሽጣዊ ደንቢ፡

ግደ፡

–     ንደቂ-ኣንስትዮን ስነ-ጥበብን ዝምልከቱ ሓደስቲ ዓምድታት ንክውሰዅ እማመ ኣቕሪቡ፡

ኣኣ፡

–    ደገፉ ገሊጹ፡

ሃሃ፡

–    ደገፉ ገሊጹ፡

ተተ፡

ገኣ፡

–     ኣዴታት ፍርቂ ሕብረተሰብን መሰረት ኩሉ ነገር ምዃነን ብምግላጽ ግቡእ ቦታ ክወሃበን ኣዘኻኺሮም፡

መኣ፡

–    ቐጻሊ ብኸምዚ እንዳወሰኽና ክንጓዓዝ ኣጸጋሚ እዩ፡ እንጸት መርበብ ሓበሬታ ናቱ ኣገባባት ኣለዎ፡

–    ነዞም ክውሰኹ ተኣሚሞም ዘለዉ ገጻት መርበብ ክንውስኾም ኢና፡ መርበብ ናሕሲ ሃገር ስሩዕ ኣተሃናንጻ እንተዝህልዎ ጽቡቕ ነይሩ፡  

–    ብመሰረት ኣገባባት ህንጸት መርበባት ብኸመይ ከምንውስኾ ክንዛረበሉ ጽቡቕ እመስለኒ፡

 

5.     ብመሰረት ንልምምድ ወሃብ ቃል ውዳበ ዝምልከት ዝቕረበ እማመ ሎሚ ተተ ዕድል ክወሃቦ፡

ተተ፡

–    ንዝተለዓሉሉ ሕቶታት መልሲ ሂቡ።

–    “መን መዚዙኩም?” ንዝብል ሕቶ፡ ዝኾነ ወግዓዊ መዛዚ ከም ዘየለ ክገልጽ ከሎ፡ መበገሲ እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ከቢድ ጸበባን ጭንቅን ምዃኑ ኣነጺሩ።

–    መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘይተደልየ ምስጢራዊ ርክብ ክህልዎ ንጠርጠር ኢና፤ እንተኾነ ግና፡ ካብቲ ናቱ ተንኰለኛ ርክባት ንላዕሊ፡ ንሕና ዝያዳ እንደልዮ ዶባትና ተሓጺሩ ሰላም ክረጋገጽ ጥራይ እዩ።

–    ምንቅስቓስ ብምስጢር ንምንቅስቓሱ ድማ፡ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ስለ ዝጠልብ ምዃኑን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ግሉጽ ከም ዘኸውን ኣመልኪቱ።

–    ምስ ካልኦት ውድባት ኣብ ዘሎ ጽምዶ፡ ልፍንትን ጽምዶን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን፡ ቅድሚ ኵሉ ግን ኣብ ሓሳብ ክትሰማማዕን ውህደት ክመጽእን ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣኣ፡

–    ፈለማ መግለጺ ብተክለማርያም እንተ ዝቐርብ ንዝያዳ ሕቶታትን ምምይጥ ሓጋዚ ነይሩ፤ ናይ ግዜ መቃን ቃልሲ፣ ናሕሲ ሃገርን ኣካይድኡን ብሰላምን ብጎነጽ እንተ ዝበርህ ኣልעיሉ። ኣብቲ ግርማይ ዝሓተቶ፡ “መን እዩ ናሕሲ ሃገር? መን እዩ ናሕሲ ሃገር እንተ ትብሃል?” ኢሉ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ጠቂስዋ ምንባሩ ዘኪሩ።

ሃሃ፡

–     ኣብቲ “ካብ ካልኦት እንታይ ይፈልየኩም?” ዝብል ዝያዳ ንጹር መልሲ ምተጸበና ኢሉ፤ ከም ኣጀማምራ ግን ኣድናቖቱ ገሊጹ። ብዛዕባ ካልኦት ናይ ኣሰራርሓ መንገድታት ክጥቀስ ጽቡቕ ከም ዝነበረ መዋእል ሓቢሩ።

ግደ፡

ገኣ፡

መኣ፡

–    ህዱእን ጽቡቕን ኣገላልጻ ከም ዝነበረን ክድነቕ ከም ዝግብኦን ገሊጾም።

 

6.    ተወሰኽቲ ዋኒናት፡

 

መኣ፡

–    ስራሕ ንምቕላል፡ ነቲ ፈጢርዎ ዘሎ ሊንክን ፓስዎርድን ተጠቒምና ክንከይድ ደጊሙ ኣዘኻኺሩ፤ ኣኼባ ልክዕ ኣብ ግዚኡ ብሰላም ተዛዚሙ።

 

7.     መዕጸዊ፡

–    ዝተወሰኑ ውሳነታት ብምዝኽኻር ኣኼባ ተዓጽዩ።

 

 

ድምጺ ዝተወሃበሎም ጉዳያት

1.       

2.      

3.      

4.      

5.      

6.     

 

1.      ውጽኢታት ድምጽታት

1.       

 

2.      

 

3.      

 

4.      

 

5.      

 

6.     

 

 

 

ውሳነታት

–     

2.      

3.      

4.      

5.      

6.     

7.      

 

ዕዮታት

1.      ብብሞያናን፡ በቲ ዓሚቝ ፍልጠት ዘለና ዓውድን፡ ንዕቤትና ዝሕግዙ ሓጸርቲ ኣስተምህሮ ክነቕርብ።

2.     ዕምቈት ፍልጥትናን ሌላናን ምስ ናሕሲ ሃገር ክንፍትሽ፡ ወሃብ መልሲ ኰይና፡ በብተራ “10 ደቓይቕ ዝወስድ”፡ ናይ ምክልኻል ልምምድ ክንገብር፡

3.     ነፍሲ ወከፍ ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ሓድሽ መልእኽቲ ኢመይል ክለአኽ እንከሎ፡ እንተወሓደ ዋላ ብሓንቲ ቃል ትኹን፡ ከምዝበጽሖ መልሲ ብምልኣኽ ከፍልጥ፡

 

መዝነታት

1.       

2.      

3.      

4.      

5.      

6.     

 

ንዝመጽእ ዝተሰጋገሩ ጉዳያት   

1.       

2.      

3.      

 

ምጽዳቕ ደቓይቕ

ትሕዝቶ እዚ ደቓይቕ ኣብ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባ ክጽድቕ። ክውሰኽ፣ ክመሓየሽ፣ ክጐድል ዝድለይ

ትሕዝቶ እንተሃልዪ፡ ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ እዚ ደቓይቕ ዝጸድቕ፡ ብጽሑፍ ኽቐርብ። 

 

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ